እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦይንግ ኣብ ክልትኤን ነፈርቲ ቦይንግ 737 ዘጋጠመ ሓደጋ ተመሳሳሊ መንቀሊ ነይርዎ ኢሉ
ላዕለዎት ሓለፍቲ ኩባንያ ቦይንግ፡ ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስዒቡ መግለፂ ሂቦም።
ኣቦ መንበር፣ ፕረዚደንትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ኩባንያ ቦይንግ ዴኒስ ሜሊንበርግ ከምኡ'ውን ፕረዚደንትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ነፈርቲ መጓዓዝያ ቦይንግ ኬቪን ማክኣሊስተር'ዮም ነቲ መግለፂ ዘውፅኡ።
ክልቲኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ኩባንያ፡ ብምኽንያት ዓይነት ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ብዝጠፍአ ህይወት ሰባት ከም ዝሓዘኑ ገሊፆም።
ዴኒስ ሜሊንበርግ " ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ ሓደጋ ኢቲ 302 ከም ዘመልክቶ፡ ቅድም ክብል ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ [ላየን ኤይር] እውን "ኤምካስ" ዝበሃል ሶፍትዌር ንዝተጋገየ መረዳእታ ምላሽ ሂቡ ("ኣክቲቬትድ") ነይሩ" ኢሉ።
ኤምካስ ብጌጋ ንጡፍ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት፡ ተደራቢ ስራሕ ከም ዝፈጥረሎም ፓይለታት ብተደጋጋሚ ንቦይንግ ምሕባሮም ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ክልትኤን ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ (መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ላየን ኤይርን) ዘጋጠሙ ሓደጋታት ተመሳሳሊ መንቀሊ ከም ዝነበሮም ሓቢሩ።
"ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ኩነታት ምእላይ ናትና ስራሕ'ዩ። እታ ነፋሪት ናትና ስለዝኾነት እቲ ፀገም ከመይ ክፍታሕ ከም ዝኽእል'ውን ንፈልጦ ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
ፕረዚደንትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ነፈርቲ መጓዓዝያ ቦይንግ ኬቪን ማክኣሊስተር ብወገኑ "ጉጅለ ምርመራ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ፃዕሪ ክነመስግኖ ንፈቱ። ድሕነት በረራ ንምርግጋፅ መንቀሊኡ ምፍላጥ ወሳኒ ጉዳይ'ዩ" ኢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ።
ነቲ ወግዓዊ ዝኾነ ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ ብዕምቆት ብምርኣይ ድማ፡ ድሕነት በረራ ነፈርቲ ንምሕላው ኣድላዪ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ሓቢሩ።
"ነቲ ኣብ መመዝገቢ መረዳእታ በረራ ዝተረኸበ ሓበሬታ ዘካተተ ውፅኢት ምርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ሶፍትዌር ኤምካስ (ማኑቬሪንግ ክራክተሪስቲክስ ኦጉመንቴሽን ሲስተም) ንጡፍ ክኸውን ዝገበር ዝተጋገየ መልእኽቲ ሓደጋ ኣብታ ነፋሪት ተፈጢሩ እዩ" ኢሉ።
ተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ነፋሪት ላየን ኤይር'ውን ኣጋጢሙ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ'ሎ።
ቦይንግ ዝተመሓየሸ ሶፍትዌር ይሰርሕን፡ ስልጠና ኣብረርትን ቦይንግ 737 ማክስ ዝምልከት ፕሮግራም ትምህርትን የዳልውን ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።