እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጓንዳዊ ሶሎሞን ሰርዋንጃ ብቢቢሲ ዝውሃብ ሽልማት ኮምላ ዱሞር 2019 ተዓዊቱ
ኡጓንዳዊ ጋዜጠኛን ኣቕራቢ ዜናን ሶሎሞን ሰርዋንጃ፡ ነቲ ዓመታዊ ብቢቢሲ ዝውሃብ ሽልማት ኮምላ ዱሞር 2019 ተዓዊቱሉ።
ሶሎሞን ሰርዋንጃ፡ ኣብ ሃገረ ኡጓንዳ ኣብ መደበር ተሌቪዝን ኤን ቢ ኤስ ኣቕራቢ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምሻጥ መድሃኒታት ኣብ 'ቢቢሲ ኣይ' ብዘቕረቦ መደብ እውን ተሸሊሙ ነይሩ እዩ።
እዚ ብቢቢሲ ዝውሃብ ሽልማት፡ ነቲ ኣብ መበል 41 ዓመቱ ኣብ 2014 ዝሞተ ኣብ ቢቢሲ ዎርልድ ኒውስ ኣቕራቢ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኮምላ ዱሞር ንምዝካር ዝተጀመረ እዩ።
ሶሎሞን ሰርዋንጃ፡ መበል ሓሙሻይ ነዚ ሽልማት ዝበቐዐ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ዋይሂጋ ምዋር፡ ኣሚና ዩጉዳ፡ ዲዲ ኣኪንየሉር ከምኡ እውን ኡጓንዳዊት ናንሲ ካኩንጊራ ነዚ ሽልማት ዝበቕዑ ጋዜጠኛታት እዮም።
ከም ኣካል ናይቲ ሽልማት፡ ሶሎሞን ሰርዋንጃ ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ንሰለሰተ ወርሒ ብምጽናሕ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣፍሪቃ እናተንቀሳቐሰ ዜናዊ ጸብጻብን ዛንታታትን ከቕርብ እዩ።
ሶሎሞን ሰርዋንጃ ኣዝዩ ፍሉጥ መርመራዊ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገሩ ኡጓንዳ እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ከምዝጽዕር ተዛሪቡ።
ሶሎሞን ሰርዋንጃ "ኮምላ ኣብ ኣናግራ ዛንታ ኣፍሪቃ ብዙሕ ለውጢ ዘምጸአ ጋዜጤኛ እዩ፡ ዓለም ንኣፍሪቃ ብዝተፈለዩ ኩርናዕ ንክትርኣ ዝደሊ ዝነበረ ሰብ እዩ" ኢሉ።
ዕውታት ናይ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት
•2015 ናንሲ ካኩንጊራ ካብ ዩጋንዳ
•2016 ዲዲ ኣኪንየሉር ካብ ናይጄርያ
•2017 ኣሚና ዩጉዳ ካብ ናይጄርያ
•2018 ዋሂጋ ምዋውራ ካብ ኬንያ
"ዘቅርቦም ጸብጻብት ምሳእ ቅኒት ይፈጥሩ እዮም፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እዛ ኣህጉርና ተመሳሳሊ ርድኢት እዩ ዘለኒ፡ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ወሪሰ ቲ ናቱ ኣገባብ ዛንታ ኣፍሪቃ ክነግር እየ ዝደሊ፡ ብዓይኒ ነቄፌታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ተመስጊቡ ዘሎ ምዕባለን ዓመታትን እንከላይ"
ዳይረክተር ቢቢሲ ጂሚ ኣነገስ " ንኮምላ ብምዝካር፡ ነቶም ኣብ ኣፍሪወቃ ዝርከቡ መሪሕ ተራን ተውህቦን ዘለዎም ጋዜጤኛታት ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሶኢ እዩ" ድሕሪ ምባል " ኮምላ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተዓዘብቲ ዓቢ ጽልዋ ክፈጥር ክኢሉ ነይሩ'ዩ" ኢሉ።