እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦይንግ ኣብ ነፈርቲ 737 ኤንጂ ንዝተረኸበ ነቓዓት ክፍትሽ ተኣዚዙ
ምምሕዳር ኣቭየሽን ፌደራል ኣመሪካ፡ ቦይንግ ኣብ ሓንቲ ዘገልገለት ነፋሪት ምትዕርራያት ክገብር እንከሎ ነቲ ነቓዓት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ ካልኦት ዝተወሰና ነፈርቲ'ውን ተመሳሳሊ ነቓዓት ተረኺቡ እዩ።
ካብ ምብራር ተኣጊደን ዘለዋ '737 ማክስ' ነፈርቲ ግን በዚ ፍተሻ ኣይተጸለዋን።
'737 ኤንጂ' ዝዓይነተን ነፈርቲ ምስ ዘለውኦም መገድታት ኣየር ብዛዕባ እዚ ኩነታት ንምዝርራብ ርክብ ከምዝገበረ ዝገለጸ ቦይንግ፡ ዝተሓበረለይ ጸገም ግን የለን ኢሉ።
እቲ ነፈርቲ ዘፍርይ ትካል፡ በዚ ፍተሻ ክንደይ ነፈርቲ ከምዝጽለዋ ኣይሓበረን።
"ኣብ መጻኢ መዓልታት፡ ምስ ዓማዊልና ኮይንና ኣብ ገለ ነፈርቲ ነቲ ዝተብሃለ ፍተሻታት ክነካይድ ኢና" ኢሉ ቦይንግ ኣብ መግለጺኡ።
እቲ ዝተረኸበ ነቓዓት ኣበይ ምዃኑን ካልእን ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ቢቢሲ ንቦይንግ ሕቶ ኣቐሪቡ፡ ዛጊት ግን ምላሽ ኣይረኸበን።