ዓባይ ብሪጣንያ፡ መንግስቲ ንፓርላማ ምድስካሉ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብል ቤትፍርዲ በዪኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ንፓርላማ ምድስካሉ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር በዪኑ።

ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝተዋህበ ብይን፡ ዋላኳ ዝኾነ ሓድሽ መንግስቲ (ቀዳማይ ሚኒስተር) ዘመነ ስልጣኑ ንምጅማር፡ ካብ ንግስቲ እታ ሃገር ወግዓዊ ፍቓድ ንምርካብ ነቲ ፓርላማ ንሒደት መዓልታት ከደስክሎ ዝኽእል እንተኾነ፡ ነቲ ዘሎ ናይ 'ብረክዚት' ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃቐነ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን እቲ ባይቶ ከይሓቶ ዝገበሮ ምዃኑ ተገሊጹ።

ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ (ላዕለዋይ ባይቶ ጎይቶትን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን) ንሓሙሽተ ሳምንቲ ከይእከብ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ክድስክል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኑ ነይሩ።

ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ፓለቲካን ውልቀሰባትን ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም'ዩ እቲ ብይን ተዋሂቡ።

ቤት ፍርዲ፡ እቲ ዝተወስደ ውሳነ፡ ዝኾነ ሕጋውነት ዘይብሉ "ዝተሰረዘ...ተፈጻምነት ዘይብሉ...ጻዕዳ ወረቐት" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ፓርላማ ካብቲ እቲ ብይን ዝተዋህበሉ ግዜ ጀሚሩ ክእከብ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ንውሳነ ናይቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዘንበበት ፕረዚደንት እቶም ደያኑ፡ ሌዲ ሄል፡ "ምድስካል [ምንስፋፍ] ፓርላማ ኣብ ህንጸት ዴሞክራሲ ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ኢላ።

እቲ ውሳነ፡ ኩሎም እቶም 11 ደያኑ ናይቲ ቤት ፍርዱ፡ እቲ ብዪን ዝተሰማምዕሉ ምዃኖም'ውን እታ ፕረዚደንት ገሊጻ።

ኣብ ኣመሪካ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ፡ ዋላኳ ምስቲ ውሳነ ናይቲ ቤት ፍርዲ "ዘይሰማማዕ" እንተኾነ ከም "ዘኽብሮ" ገሊጹ'ሎ።

ድሮ፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ (ኮመንስ)፡ ጆን በርኮው፡ እቲ ባይቶ ንረቡዕ ክእከብ ጸዊዑ'ሎ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ብሪጣንያ፡ ብስምምዕ ይኹን ብዘይ ስምምዕ ኣብ ዝምጽእ 31 ጥቅምቲ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእ'ያ ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዎ። ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ፡ ነቲ ፓሊሲ ብኣብላጫ ድምጺ ተቓዊምዎ'ዩ።

ስለዚ፡ ብፍላይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተድኣ ደስኪሉ፡ ንመደብ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ግዚኡ ክካታዓሉን፡ ነቲ ካልኦት ሰልፍታት ፓለቲካ "ሓደገኛ" ዝበልዎ ፓሊሲ ደው ከብሎ ዕድል ኣይምረኸበን ነይሩ።

ተቓውምቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ናይ ሕጂ ውሳነ "ዓብዪ ዓወት" ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ።

መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ዝኾነ፡ ጀረሚ ኮርቢን፡ እቲ ብይን ቦሪስ ጆንሰን "ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዘለዎ ጽልኣት" ዘርኢ'ዩ ክብል ድሕሪ ምንቃፍ፡ ካብ መዝነቱ ንምውራድ ክሓስበሉ ኣለዉ ኢሉ።

ሓያሎ ካልኦት ፓለቲከኛታት'ውን፡ እቲ ደገፍ ባይቶ ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ ኣለዉ። ንሱ ግን፡ ነታ ሃገር ዝጠቅም ፓሊሲ ከምዝነደፈ ብምዝራብ፡ ክቕጽል ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል፡ ሓደ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስኮትላንድ፡ እቲ ፓርላማ ናይ ምድስካል ስጉምቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ዘይሕጋዊ'ዩ" ዝብል ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ'ዩ፡ እቲ ጉዳይ ናብቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተሰጋጊሩ።