ክልል ኣምሓራ፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, AMMA
አብ ክልል ኣምሓራ፡ ተኸተልቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ ክርስትያን ይበጽሕ ኣሎ ብዛዕባ ዝበልዎ መጥቓዕቲ ደው ይበል ዝብል ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብ ከተማ ጎንደርን ካልኦት ሰለስተ ከተማታትን ክልል ኣምሓራ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ እታ ቤተ ክርስትያን ምቅጻል ኣብያተ ክርስትያናት ኮኒኖም።
ቤተ ክርትስያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ግቡእ ሓለዋ ክግበረላን እቶም ዝዓነዉ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ዳግመ ህንጸት ክግበረሎም እቶም ሰልፈኛታት ጻዊዒት ኣቕሪቦም።
ተኸተልቲ እታ ቤተ ክርስትያን፡ ንሎሚ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተጸዊዑ ዝነበረ ሰልፊ ናብ ካልእ ግዜ ከም ዝተሰጋገረ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
እቲ ዝተናውሐ ሰልፊ 'ፖሎቲካዊ ስምሚታት' ዘለዎ እዩ ኢሎም ዝነቕፍዎ ኣለዉ። እንተኾነ ግና፡ እቶም ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ 'ፖሎቲካዊ እዩ' ዝብል ነቔፌታ ነጺጎሞ።
ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ 45% ሚእታዊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኽተላ እታ ዝዓበየት ሃይማኖታዊ ትካል እያ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







