እስራኤል ንክፋል ምዕራባዊ ገማግም ናብ ግዝኣታ ክትሓውሶ ምውጣና ሃገራት ዓረብ ኮኒነን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል፡ ንገለ ክፋል እቲ ተቖጻጺራቶ ዘላ ምዕራባዊ ገማግም (ዌስት ባንክ) ናብ ግዝኣታ ክትሓውሶ ምውጣና፡ ሃገራት ዓረብ ኮኒነን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ኣብቲ ቀጻሊ ሰሙን ዝካየድ መረጻ እንተደኣተዓዊቱ፡ ነዚ ውጥን ከምዘፈጽም ብሰሉስ እዩ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ዝተዛረበ።
ሰብመዚ ዮርዳኖስ፣ ቱርኪን ስዑዲ ዓረብን ነዚ ውጥን ብትሪ ነቒፎምዎ።
ሊግ ዓረብ'ውን ነቲ ውጥን "ሓደገኛ" ከምኡ ድማ "ወራር" ክብል ገሊጽዎ።
እስራኤል ንምዕራባዊ ገማግም ዝተቖጻጸረቶ አብ 1967 ኮይኑ፡ ናብ ግዝኣታ ምሕዋስ ግን ኣይቀጸለትሉን።
እቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ ዘላ ቦታታት፡ ፍልስጤማውያን ኣካል ናይታ ኣብ መጻኢ እትህልዎም ናጻ ሃገሮም ከምዝኾነ እዮም ዝኣምኑ። ኔታንያሁ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ክበሃል፡ እስራኤል ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ህላዊኣ ክትቕጽሎ ከምእትደሊ ክገልጽ እዩ ጸኒሑ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንታይ እዩ ኢሉ?
ጎስጓስ መረጻ ዝገብር ዘሎ ኔታንያሁ፡ ነዚ ውጥን ብቴሌቪዥን ቀሪቡ እዩ ገሊጽዎ።
ብዛዕባ ሩባ ዮርዳኖስን ምብራቓዊ ክፋል ምውት ባሕርን ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ "ድሕሪ እቲ መረጻ፡ ሽዑ ንሽዑ ሉዕላውነት እስራኤል ተግባራዊ እንገብረሉ ሓደ ቦታ ኣሎ" ድሕሪ ምባል "ነዚ ከፈጽም ዘኽእለኒ ስልጣን፡ ንስኹም ዜጋታት እስራኤል፡ እንተደኣ ሂብኩምኒ'ዩ" ኢሉ።
ኔታንያሁ መራሒ ሰልፊ ሊኩድ ክኸውን ከሎ፡ ንመረጻ ምስቲ 'ብሉ ኤንድ ዋይት' ዝበሃል ኪዳን ተቓወምቲ ኣብ ሓያል ንሕንሕ እዩ ዘሎ።
ሓደ ካብ መራሕቲ እቲ ተቓዋሚ ኪዳን፡ ንውጥን ኔታንያሁ ኣመልኪቱ እንትዛረብ፡ ኔታንያሁ ነቲ ቦታታት ናብ ግዝኣት እእስራኤል ክሓውስ ዘይኮነስ "ድልየቱ ድምጺ መረጻ ምምእራር እዩ" ክብል ነቒፍዎ።
ድሕረባይታ ምዕራባዊ ገማግም እንታይ እዩ?
ሩባ ዮርዳኖስን ምብራቓዊ ክፋል ምውት ባሕርን፡ ሲሶ ካብ ጠቕላላ ምዕራባዊ ገማግም ዝሕዝ እዩ።
እስራኤል ንምዕራባዊ ገማግም፣ ምብራቕ እዮርሳሌም፣ ጋዛን ኣኽራናት ጎላን ዝተቖጻጸረቶ ኣብቲ ብ 1967 ዝተኻየደ ኲናት እዩ። ብ 1980 ንምብራቓዊ ዮርሳሌም፡ ኣብ 1981 ከኣ ንኣኽራናት ጎላን ናብ ግዝኣታ ክትሓውሶ ክኢላ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







