ኣመሪካ፡ ንመርከብ ኢራን ኣሕሊፉ ክህባ ንህንዳዊ ባሕረኛ ሚልዮናት ቀሪባትሉ

እታ 'ኣድርያን ዳርያ 1' እትበሃል መርከብ ኣብ ጀበል ጣርቕ ተቐይዳ ድሕሪ ምጽነሓ፡ ብነሓሰ ክትከይድ ተፈቒዱላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እታ 'ኣድርያን ዳርያ 1' እትበሃል መርከብ ኣብ ጀብል ጣርቕ ተቐይዳ ድሕሪ ምጽነሓ፡ ብነሓሰ ክትከይድ ተፈቒዱላ፡ ኣመሪካ ግን ክትቅየድ እያ ትደልያ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነታ 'ኣድርያን ዳርያ 1' እትበሃል ናይ ኢራን መርከብ፡ ኣሕሊፉ ንክህባ፡ ንህንዳዊ ሓለቓ እታ መርከብ (ካፒቴን) ሚልዮናት ዶላር ከምዘቕረበትሉ ኣረጋጊጹ።

እታ ነዳዲ እትጽዕን መርከብ፡ ቀንዲ መግለጺ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኢራንን ኣመሪካን ኮይና ዘላ እያ።

እቲ ባሕረኛ፡ ነታ መርከብ ኣመሪካ ክትቅይዳ ናብ ዘኽእላ ዝኾነ ቦታ ክመርሓን ሚልዮናት ክወሃቦን እዩ ኢሜይል ተላኢኽሉ።

እታ መርከብ፡ ነዳዲ ናብ ሶርያ ተግዕዝ ነይራ ብዝብል ኣብ ወርሒ ሓምለ ብብሪጣንያ ተቐይዳ ነይራ።

መርከብ 'ኣድርያን ዳርያ 1' ኣብ ጀበል ጣርቕ ተቐይዳ ድሕሪ ምጽነሓ፡ ብነሓሰ ጉዕዞኣ ክትቅጽል እኳ እንተተፈቐደላ፡ ኣመሪካ ግን ሕዚ'ውን ክትቅየድ እያ ትደልያ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነታ መርከብ ዝሓለፈ ዓርቢ እዩ ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስፊርዋ። እታ መርከብ 2.1 ሚልዮን በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ ኢራን ንምግዓዝ ከምእተገልግልን፡ እቲ ኣታዊ ድማ ንሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝውዕል ምዃኑን እያ ኣመሪካ እትከስስ።

ኣመሪካ፡ ንሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም 'ኣሸባሪ ትካል' እያ ትርእዮ።

እቲ ኢሜይል እንታይ ይብል?

ጸብጻብ ፋይናንሻል ታይምስ ከምዝብሎ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ እገዳ ቅድሚ ምንባራ እያ ነቲ ኣኪለሽ ኩማር ዝበሃል ህንዳዊ ሓለቓ መርከብ ኢሜይል ልኢኻትሉ።

ኣብቲ ኢሜይል፡ ኩማር ነታ መርከብ ናብ ዝኾነ ኣመሪካ ክትቅይደሉ ናብ እትኽእለሉ ቦታ ክመርሓ'ሞ ብዙሕ ሚልዮን ዶላራት ክኽፈሎ ምዃኑ እዩ ተጻሒፍሉ።

መታን እቲ ኢሜይል ናይ ሓሶት ከይመስሎ ድማ፡ ናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቴሌፎን'ውን ተጻሒፍሉ እዩ።

እቲ ሓለቓ መርከብ ግን፡ ነቲ ኢሜይል ዕሽሽ ኢልዎ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኣመሪካ ነታ መርከብ ኣብ ጸሊም መዝገብ ክተስፍር እንከላ ነቲ መርከበኛ'ውን እገዳ ኣንቢራትሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ፡ ኣመሪካ "ጉቦ" ክትህብ ፈቲና ክብል ኣብ ትዊተሩ ነቒፍዋ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

እቲ ምስሕሓብ እንታይ እዩ?

እታ ቅድም ክብል 'ግሬስ 1' ዝብል ስም ዝነበራ መርከብ፡ ንእገዳ ሕብረት ኤውሮጳ ብምጥሓስ ናብ ሶርያ ነዳዲ ተግዕዝ ኣላ ብዝብል ጥርጣረ 4 ሓምለ ኣብ ጀበል ጣርቕ ብብሪጣንያ ተቐይዳ።

ጸኒሑ፡ 15 ነሓሰ፡ ኢራን እቲ ጽዕነት ኣብ ሶርያ ከምዘይራገፍ መረጋገጺ ድሕሪ ምሃባ እታ መርከብ ጉዕዞኣ ክትቅጽል ተፈቒዱላ። ኣመሪካ ግን ተቐይዳ ክትጸንሕ ድልየት ነይርዋ።

እታ መርከብ፡ ሕዚ ኣብ ምብራቃዊ ሜዲትራንያን እያ ዘላ።

እታ መርከብ መጀመርያ ኣብ ዝተቐየደትሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ብሪጣንያን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ነይሩ። መርከባ ምስተቐየደት፡ ኢራን'ውን ንሓንቲ ባንዴራ ብሪጣንያ ንእተንበልብል መርከብ ነዳዲ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ቀይዳ እያ።