እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ክዛወሩ ምስ ወጽኡ ናብ ቤቶም ዘይተመልሱ ህጻናት
ቤት ፍርዲ ቤልጅም፡ ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዘይሕጋዊ ዝውውርን ጭውያን ህጻናት ንዝተጠርጠረ ሓደ መዕበዪ ዘኻትም ይምርምር ኣሎ።
ዘኻትም [ወለዲ ዘይብልኩም] ኢኹም ተባሂሎም ናብ ቤልጅም ዝተወሰዱ ህጻናት፡ ሓላፍነት ብዝወሰዱ ስድራ ክዓብዩ ተገይሩ'ዩ። ድሕሪ ዓመታት፡ ግን እዚ ናይ ደም ምርመራ ብምግባር ካልእ ኮይኑ ተረኺቡ።
ጂሜና፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ርሕቕ ኢላ እትርከብ ቑሸት እያ። ነበርቲ፡ ብሕርሻ፣ ምዝፋፍ ዓሳ፣ ስራሕቲ ጣውላን ሸቐጥን ይመሓደሩ።
ኣብዱላ ሊቤንጌ ወዲ 30 ዓመት ሰፋዪ ክዳን'ዩ፤ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣርባዕተ ስድራ ኣብ 2015 ኣብ እዋን በዓላት ደቆም ክዛወሩ ኢሎም ደቆም ዝልኣኹ ስድራ እዩ። ደቆም ግን ኣይተመለሱን።
ካብ ኣመሓደርቶም ሕጋዊ ውክልናን ደገፍን ከይረኸበ ነዊሕ ተጸብዮም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን፡ ጓሉ ጠፊኣ፤ እንታይ ከም ዝተፈጥረ ዝነግሮ ሃንደበታዊ ናይ ሓዘን ምብጻሕ እማ ተገይሩሉ።
ክልተ ጋዜጠኛታት ቤልጅም፡ ኣብ ሃገሮም ዝፍጸም ዘሎ ገበን ምዕባይ ዘኻትም ቆልዑ ክምርምሩ ጀሚሮም፤ ኩርት ሬትላረስከን ቤኖት ፍሬኒን ይብሃሉ። አ
ከመይ እዚ ጉዳይ ኣቃሊዐሞ?
ዓቃቢ ሕጊ ቤልጅም፡ ወለዲ ብዙሓት ኣብ ቤልጅም ብቤልጅማውያን ስድራ ዝረዓሙ ቆልዑ ብህይወት ዘለው ምኻኖም ግን ድማ ክረኽቡዎም ከም ዘይኽኣሉ ዝሕብሩ ነገራት ምርካቡ ገሊጹ ነይሩ።
እዞም ክልተ ጋዜጠኛታት እዚ ንምጽራይ ካብ ቤልጅም ኣብዱላ ሊቤንጌ ናብ ዝሰርሐላ ቑሸት ጂሜና ኣምሪሖም። ረኺቡ ኩሉ ነገር ኣትሒዙዎም።
"ናብ ኪንሻሳ ምስ ከደት" ከም ዘይተመለሰት ነጊሩዎም። "ሕጉስቲ ነይራ። ዋጋ በረራ ዝሽፍን ዓቕሚ ስለ ዘይብልና፡ ናብ ኪንሻሳ እንኸደሉ ዕድል ፈጺሙ ኣይንረክብን። ንሳ ግን ረኺባ፤ ኣኹሪዓትና ድማ"።
ዕድሚኦም ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ናይ ዝኾኑ ኣርባዕተ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ወዲ ተባዕታይን ስእሊ ነይሩዎ።
ኣብቲ 'መደብር በዓል' ዝበሃል መሰነይታ እናተገብረ ዝተስኣለ ኮይኑ መንእሰይ ትካል መናእሰይ ዘለዎ ሓደ ስእሊ ኣርእዩዎም።
"እዚ ስእልን ጫማን ሒዝና ኢና ተሪፍና" ዝበለ ሊቤንጌ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ዝረኽብሉ ተመሳሳሊ ተጓንፎ ወሲዱዎም።
ሱሪያ ሞዩምቤ፡ ገጻ ብንብዓት ተሓጺቡ፡ ተጸቢያ ናይ ዝቐበጸታ እግሪ ተከል ውላዳ ስእሊ ሒዛ እያ ጸኒሓቶም።
"በዓል ቤተይ ጓሎም ክትዛወር ብምልኣኸይ ኩል ግዘ'ዩ ዝነቕፈኒ። ፈጺመ ክገብሮ ኣይነበረንን። ኩላትና ግን ዓብዪ ዕድል'ዩ ኢልና ኢና ሓሲብና ነይርና" ኢላ።
ጋዜጠኛታት ቤልጅም፡ ኩርት ሬትላረስን ቤኖት ፍሬኒን ናብ ብራስለስ ተመሊሶም ጸብጻብ ዝረኸቡዎ ሓበሬታ ኣቕሪቦም፤ ዓቃቢ ሕጊ ድማ ናይ ደም መርመራ ክእክብ ናብ ጀሜና ተጓዒዙ።
ኣብ ኪንሻሳ ዝነበረ መዕበዪ ዘኻትም ቱማኒ ግን ተዓጽዩ'ዩ። ቤንጅም-ኮንጎኣዊ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ጁሊኔ ፔምባ፡ ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር'ያ ዘላ። ሓላፊት እቲ ማእከል ነይራ ዝብል ክሲ ድማ ቐሪቡላ ኣሎ።
ጠበቕኣ ጆርጅ ባሎን ፔሪን፡ "ንዝቐረባ ኽሲ ኩሉ ይካትዐሎ" ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተኸሲሳ ዘይቐረበት ብምባል'ውን ተቓውምኡ ይገልጽ።
ካልኦት ሰባት ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ክቐርቡ ከም ዝተገበረ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ቤልጅም ዘለው ቆልዑ ከዕብዩ ዝወሰዱ ሰባት፡ እዚ ዜና ሓደ ብሓደ በጺሑዎም። ገሊኦም፡ ጌና ክወስዱ ከለው'ውን ስግኣቶም ገሊጾም ነይሮም'ዮም።
ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ወላዲ፡ "ናይታ ሃገር ክብሪ ኣብ ግምት ብምእታው ፈሪሀ ነይረ፤ እቲ ቆልዑ ከም ውላድና ጌርና ወሲድና ክነዕቢ ዝብር ዝነበረ ኤጀንሲ ግን፡ ኩሉ ነገር ሕጋዊ ከም ዝኸውን ብምግላጽ ደፋፊኡና" ኢሉ።
"እዚ ዜና ምስ ሰማዕና ግን ዳርጋ ገጽና ዝተጸፋዕና'ዩ ተሰሚዑና። ኩል ግዘ ከወግዶ ዝደልዮ ዝበርኩ ድማ እዚ'ዩ። ሕጂ፡ ከም ኣነ ቆልዓ ሰሪቐ'የ"።
ሓንቲ ኣደ ድማ፡ እቲ ኤጀንሲ ንዝነበራ ስግኣት ኩሉ ዝሑል ማይ እናከለሰ ክትኣምን ከም ዝገበራ ገሊጻ። ሓደ መዓልቲ ድማ፡ እቲ ዘዕበየታ ጓላ ብዛዕባ ናይ ስጋ ወለዳ ምሕታት ከም ዝጀመረት ትዛረብ።
"ሓደ መዓልቲ፡ ዛንታታት ነበረያ ነበረ እናንበብኩላ፡ ንስኺ እኮ ኣደይ ኣይኮንክን ኢላትኒ። ናብዚ ቅድሚ ምምጽኣ ብዝነበረት እተዕብያ ኣደ ትዛረብ ዘላ እዩ መሲሉኒ ነይሩ፤ ግን ብዛዕባ ትኽክለኛ ኣዲኣ እዩ"።
እዚ ጉዳይ ኣብ ቤልጅም ክፍለጥ ከሎ፡ ኣርባዐዕተ ቆልዑ'ዮም ተረኺቦም። ካልኦት ቆልዑ ወሲዶም ዘዕበዩ 15 ስድራ ድማ ውጽኢት እቲ ዝተኻየደ መርመራ ደም ይጽበዩ ኣለው።
ስልምንታይ'ዩ ምዕባይ ቆልዑ ስግኣት ዝኸውን?
"ብዝኾነ መገዲ ፋይናንሳዊ ወይ ካልእ ረብሓ ክረኽቡ ዝኽእሉ፡ ስርሖም ብኣግባቡ ዘይሰርሑ ሰባት ኣለው" ይብል ጠበቓ ሰለስተ ቆልዑ ወሲዶም ዘዕበዩ ስድራ ጆርጅ ሄነሪ ቢዩቲየር።
"ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብሓፈሻ ገበነኛ ትካል ተገይሮም ክውሰዱ ኣለዎም፤ እዚ ኣብ ኮንጎ ይኹን ቤልጅም ኣዝዩ ዝተወደበ'ዩ" ኢሉ።
ከም በዓል ሞያ ሓለዋ ህጻናት ኒግል ካንትዌል፡ ከምዚ ዓይነት ጸገም ተነጺሉ ዝርአይ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።
"ስምምዕ ዘ-ሄግ ምስ ዘይተቐበለት ሃገር ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ክትርኢ ምፍታን ኣጸጋሚ'ዩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሃይቲ፣ ጓቲማላ፣ ቬትናም፣ ካምቦዲያ ዝተፈጠሩ ብዙሓት ኣብነታት ኣለው" ይብል።
ንሱ፡ እዚ ጉዳይ ከፈጽሙ ዝሰርሑ ሰባት ገንዘበ እስለ ዝረኽብሉ "እቲ ገንዘብ ክትቆጻጸሮ እንተዘይክኢልካ፡ እዚ ብልሽውና ክትቆጻጸሮ ኣይትኽእልን" ኢሉ'ዩ ዝኣምን።
ዕጫ እዞም ግጻናት እንታይ'ዩ?
ቤት ፍርዲ ቤልጅም፡ ኣብ መጻኢ እዞም ህጻናት ውሳኒኡ ከሕልፍ'ዩ።
"ቀስ ብቀስ ዝፍጸም ኮይኑ፡ እቲ ቆልዓ ኣብ ዝብሎ ዝተሞርኮዘ ክኸውን'ዩ። ምርጫ እቲ ቆልዓ ከይሰማዕና፡ ንዕኡ ዝሐሾ እዚ'ዩ ኢልና ክንውስን ኣይንኽእልን" ኢሉ ካንትውል።
ኩሎም ቆልዓ ወሲዶም ዘዕበዩ ስድራ እዚ ጉዳይ ይዳለውሉ ስለ ዘለው፡ ቐጻሊ ምዕራፍ ንኹሉ ቀሊል ኣይኸውንን ኢሉ ጠበቓ ቢዩቲየር።
ኣብ ጂሜና ዘሎ ኣብዱላ ሊኔንጌ ግን፡ ጓሉ ተመሊሳ ናብ ገዝኣ ክትመጽእ ተስፋ ኣለዎ።
"ሰባት ኣብ ቤልጅም'ዩ ዝሕሻ ክብሉኒ ይኽእሉ'ዮም። ንሳ'ውን ከምኡ ክትብል ትኽእል"።