እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መገዲ ትግራይ-ኣዲስ ኣበባ ክፉት ድዩ?
ክልል ኣምሓራ ኣቋሪጹ ዝሓልፍን ትግራይ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብን መገዲ፡ ተዓጽዩ'ዩ ኣይተዓጸወን ዝብል ጉዳይ፡ መካትዒ እዚ ቕንያት ኮይኑ ጸኒሑ።
ኣመራርሓ ዞባ ክልል ኣምሓራ እቲ መገዲ ኣይተዓጸወን እንትብሉ፡ ቢሮ መገድን መጓዓዝያን ትግራይ ብወገኑ፡ ሰባት ንድሕነቶም ስለ ዝሰግኡ ኣንፈት ክቕይሩ ተገዲዶም'ዮም ይብል።
ኣቶ ጸሃይነው ሲሳይ ሓላፊ መምርሒ መገድን መጓዓዝያን ዞባ ሰሜን ወሎ ኮይኑ፡ "ሕጂ ናብ መቐለ ይኹን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣጓጎለ ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ የለን። ነዊሕ መስመር ዝጉዓዛ ኣውቶብሳት ይሓልፋ ኣለዋ" ኢሉ።
ካብ ወልዲያ ተበጊሰን ብኮረም ናብ ሰቖጣ ዝኸዳ ተሽከርከርቲ ድማ ስምሪተን ሒዘን ይሰርሓ እየን ዝብል ኣቶ ጸሃይነው፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ብምኽንያት ምዕጻው መገዲ ዝተቋረጸ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዘየለ ተዛሪቡ።
"ቅድሚ ሕጂ ብዓፋር ተለዋጢ መገዲ ይጥቀሙ ነይሮም" ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ደሴ ደብረብርሃን ኣቋሪጹ ካብ ወልዲያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መገዲ በዝሒ ዘለዎ መግትኢ ናህሪ ትሕተ ቕርጺ ብምህላዩ፡ ካብዚ ንምህዳም'ዮም ናይ ዓፋር መገዲ ዝጥቀሙ ክብል ይገልጽ።
"ናህሪ ዝገትኡ ቦታታት ብምብዝሖም 'ኣብ ተሽከርከርትን ተጉዓዝትን ሓደጋ ይበጽሕ'ዩ ዘሎ፤ ኣብ ሰዓትና ኣይንበጽሕን ዘለና' ብምባል፡ ታሕተዋይ ተለዋጢ መገዲ [ዓፋር] ይጥቀሙ ነይሮም። ንሕና ድማ ምስ ሰበ ስልጣን መገዲ ፌደራል ብምዝርራብ እቶም መግትኢ ናህሪ ክለዓሉ ብምግባር እቲ መገዲ ክፉት ኮይኑ'ዩ" ይብል ኣቶ ጸሃይነው።
ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣ መገዲን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረጻድቕ ብወገና ስግኣታት ድሕነት ስለ ዝተኸሰቱ ህዝቢ ኣማራጺ መገዲ ክጥቀም ከም ዝተገደደ ገሊጻ።
"ካብ መዛዘሚ 2010 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ስግኣታት ጸጥታ ስለ ዝነበሩ ህዝቢ መገዲ ክቕይር ተገዲዱ" ክትብል ተረድእ።
ብክልል ዓፋር ዝግበር ጉዕዞ ብሎጊያ፣ ሰመራን ኣዋሽን ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘብጽሕ ብምግላጽ፡ ዋላ'ኳ ርሕቐት ናይዚ መስመር እንተወሰኸ ሕብረተሰብ ነቲ ኣማራጺ ክጥቀም ተገዲዱ'ዩ ዝብል መብርሂ እያ ሂባ።
እቲ ዓቕሚ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ መጓዓዝያ ነፋሪት ይጥቀም ኣሎ ዝበለት ወይዘሮ ኣልማዝ፡ "ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሚንስትር መጓዓዝያን ኣብ ዝነበረና ገምጋም 'መንግስቲ ስለ ምንታይ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣይከኣለን?' ብዝብል ኣልዒልናዮ ነይርና። ክሳብ ሎሚ ግን ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን" ኢላ።
ኣቶ እጅጉ መላኩ ድማ፡ ወኪል ሓላፊ መምርሒ ድሕነትን ሰላምን ዞባ ደቡብ ወሎ'ዩ። ልክዕ ከም ኣቶ ጸሃይነው እጅጉ፡ "ብኸባቢና ተሽከርከርቲ ይሓልፋ ኣለዋ'የን። ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ጸገም የለን" ብምባል፡ ክልለ ኣምሓራ ኣቋሪጹ ትግራይ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽባ መስመር ከም ዘይትዓጸወ ይዛረብ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን በዓል መዚ መገዲታት ፌደራል እቶም መግትኢ ናህሪ ከፍርስ ከሎ ዝተቖጥዑ መናእሰይ፡ እቲ መገዲ ንዝተወሰኑ ሰዓታት ዓጽዮምዎ ነይሮም። ካብዚ ወጻኢ እንፈልጦ ነገር የለን"።
"ጣፍን ኣባጊዕን ካብ መኪና ተወሲዱና ዝብል ዝጸንሐ ነገር'ዩ። እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጥረ ጸገም'ዩ። ሕጂ ከምዚ ዓይነት ዜና ኣይሰማዕናን" ዝብል ኣቶ እጅጉ፡ አብቲ እዋን ጥርዓኖም ንዘስምዑ ውልቀሰባት፡ "ገንዘብ ክኽፈሎም መምርሒ ተዋሂቡ ነይሩ" እዩ ኢሉ።
ኣይተ ተኣምራት ዮሴፍ ሓላፊ ህዳሰ ማሕበር ሰብ ዋና ኣውቶብሳት እዩ። እቲ ማሕበር ከኣ ናብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያ ዘዋፍረን ኣውቶብሳት ኣለውኦ።
"ቅድም ስሩዕ ብዝነበረ መስመር ደሴ ኢና ንጥቀም ነይርና። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ግን [ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታት] ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መተሃራ፣ ኣዋሽ ካብኡ ድማ ብዓፋር ገይርና ኢና ንመቐለ ንኣቱ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሽረ፣ ራማ፣ ዓድዋን ኣኽሱምን ዝጓዓዙ ከኣ መስመር ዓፋር እዮም ዝጥቀሙ" ክብል ነቲ ዘሎ ኩነታት የረድእ።
ንሱ ከም ዝበሎ ካብ መቐለ ናብ ደሴ ይግበር ዝነበረ ጉዕዞ ካብ ዝቋረጽ ሓደ ዓመት መሊእዎ'ሎ።
"ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ መኻይን ናይ ትግራይ ምዃነን ስለዝፍለጥ ክቃጸላ ይግበር። እንተዘይኮይኑ ድማ ቤትሮአን ይስበር" ይብል።
ውሲኹ ድማ "ናይ ቅድሚት ቤትሮ ልዕሊ 100 ሽሕ ዋጋ እዩ ዘውጽእ። 20 ሽሕ ንምርካብ 100 ሽሕ ንኸስር ማለት እዩ። ድሕነት ተጓዓዝቲ'ውን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ እዩ ነይሩ። ካብ መኪና ክወርዱ እናተገበረ ታሴርኦም (መለለዪ መንነት) እናተርኣየ ይዝረፉ ነይሮም" ክብል ለውጢ ኣንፈት ክግበር ወይ ገለ መስመራት ጉዕዞ ኣገልግሎት ከቋርጹ ከም ዝተገበረ ይዛረብ።