እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ 41 ዓመት ፈላሚ በረርኡ ናብ ሶማሊያ ኣካይዱ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 41 ዓመታት ፈላሚ በረራ ብምክያድ ናብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ሞቓዲሹ ሎሚ መዓልቲ ኣትዩ።
እቲ ብቦይንግ 737 ዝተገበረ በረራ፡ ብጓል ኣንተይቲ ኣብራሪት ('ካፒቴን') ተመሪሑ። 50 ተጓዓዝቲ ድማ ኣብቲ ፈላማይን ታሪኻዊን በረራ ተሳፊሮም።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ነፋሪት፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት በረራ ሞቓዲሹ ኣትያ። ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ሶማሊያ 'ፈረስት ካውንስለር' ኣይተ ኣብዱላሂ መሓመድ ኣብቲ በረራ ተረኾቦም።
ንሶም ንቢቢሲ ከም ዝተዛረብዎ፡ ምጅማር እቲ በረራ ንርክብ ንግዲ ክልትኤን ሃገራት ዘጠናኽር እዩ።
እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትብገስን ሞቓዲሹ ምስ ኣተወትን ድሙቕ ፅምብል ተሰናዲኡ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሶማሊያ ዝገብሮ በረራ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ 1970ታት ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝተፈጠረ ጎንፂ ዶብ ኣቋሪፁ ፀኒሑ።
ፕረዚደንት ሶማሊያ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡ።