መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ 41 ዓመት ፈላሚ በረርኡ ናብ ሶማሊያ ኣካይዱ

ብምስሊ ባንዴራ ሶማሊያ (ፀጋም) ኢትዮጵያ (የማን) ዝተሰርሐ ኬክ
መግለጺ ስእሊ, ብምስሊ ባንዴራ ሶማሊያ (ፀጋም) ኢትዮጵያ (የማን) ዝተሰርሐ ኬክ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 41 ዓመታት ፈላሚ በረራ ብምክያድ ናብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ሞቓዲሹ ሎሚ መዓልቲ ኣትዩ።

እቲ ብቦይንግ 737 ዝተገበረ በረራ፡ ብጓል ኣንተይቲ ኣብራሪት ('ካፒቴን') ተመሪሑ። 50 ተጓዓዝቲ ድማ ኣብቲ ፈላማይን ታሪኻዊን በረራ ተሳፊሮም።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ነፋሪት፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት በረራ ሞቓዲሹ ኣትያ። ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ሶማሊያ 'ፈረስት ካውንስለር' ኣይተ ኣብዱላሂ መሓመድ ኣብቲ በረራ ተረኾቦም።

ንሶም ንቢቢሲ ከም ዝተዛረብዎ፡ ምጅማር እቲ በረራ ንርክብ ንግዲ ክልትኤን ሃገራት ዘጠናኽር እዩ።

እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትብገስን ሞቓዲሹ ምስ ኣተወትን ድሙቕ ፅምብል ተሰናዲኡ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሶማሊያ ዝገብሮ በረራ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ 1970ታት ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝተፈጠረ ጎንፂ ዶብ ኣቋሪፁ ፀኒሑ።

ፕረዚደንት ሶማሊያ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡ።

ስነ ስርዓት ምቑራስ ኬክ

ምንጪ ስእሊ, OMAR FARUK OSMAN

ጋዜጠኛታት ኣብ በረራ

ምንጪ ስእሊ, Omar Faruk Osman

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛታት እውን ኣብቲ በረራ ተረኺቦም
ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኤርትራ 'ፈረስት ካውንስለር' ኣይተ ኣብዱላሂ መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, Omar Faruk Osman

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኤርትራ 'ፈረስት ካውንስለር' ኣይተ ኣብዱላሂ መሓመድ ኣብ ፈላሚ በረራ ኢትዯጵያ ሶማሊያ
እታ ነፋሪት ኣብ ሞቓዲሹ ምስ ዓለበት
ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ሶማሊያ ምርኢት እናቐረቡ

ምንጪ ስእሊ, Omar Faruk Osman