እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕድመ ልብኻ ምፍላጥ ካብ ሓደጋ መጥቃዕቲ ልቢን ወቕዒን የድሕን`ዩ
ፓብሊክ ሄልዝ ኢንግላንድ ልዕሊ 30 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት ንልዑል መጥቃዕቲ ልቢ ወይ ወቕዒ ዝተቓልዑ ምዃኖምን ወይ ዘይምዃኖም ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ዕድመ ልቦም ንምፍላጥ ናይ ኦንላይን መርመራ ክገብሩ ምዒዱ።
ኣስታት 80 ሚእታዊ ኣብ ትሕቲ 80 ዝዕድሜኦም ዘጋጥም መጥቃዕቲ ልቢን ወቕዒን ጥዕና ልቢ እንተተመሓይሹ ክውገዱ ዝኽእሉ`ዮም ኢሎም ይግምቱ `ቶም ፈላጣት።
ዘይጥዑይ መነባብሮ፡ ንኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ንኡስ ዕድመ ንሓደጋ ሞት ከምዘቃልዖም ሰብ ሞያ ይግምቱ። ሰባት ምትካኽ ሽጋራ ከቋርጹ ጥዑይ ኣመጋግባ ከዘውትሩን ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩን ድማ ይምዕዱ።
እቲ መርመራ መጥቃዕቲ ልቦ ከጋጥመካን ከየጋጥመካን ኣይሕብረካን`ዩ፡ ኣነባብራኻ ክትቅይር ግን መጠንቀቕታ ይህበካ።
ወዲ 59 ዓመት ዴቪድ ግሪን መርመራ ገይሩ።
"እቲ ዝኸፍአ ህሞት፡ ልበይ 10 ዓመት ካባይ ከምእትዓቢ ምስ ተነግረኒ`ዩ ነይሩ፡ ብህይወት ክጸንሓሉ ዝኽእል ዓመታት ድማ ሓጺሩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እዚ ድማ ነቲ ኩነታት ደጊመ ክሓስበሉ ቀሲቡኒ፡ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ዝነበረ ዝኸፍአ ፍጻመ ድማ ናብ እወንታ ቀዪረዮ" ኢሉ ዴቪድ።
ዴቪድ ኣብ`ታ ፉል ሞንቲ እትበሃል ተዋስኦኣዊት ፊልም ንዝነበሮ ገጸ-ባህሪ ልምምድ ድሕሪ ምግባሩ`ዩ ነቲ መርመራ ኣብ ከተማ ፕለይማውዝ ገይርዎ።
ብዛዕባ ዕድመ ልቢ ዝኾነ ነገር ሰሚዑ ኣይፈልጥን ነይሩ፡ ሒደት ዓመታት ጥራይ ተሪፈንኦ ከምዝነበራ ግን ገሚቱ።
"`ብሓቂ ገለ ነገር ክትገብር ኣሎካ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ብዙሕ ካብ`ቲ ናይ ጥሮታ ገንዘብካ ኣይክትርእዮን ኢኻ` ኢሎሙኒ። ከምዝመስለኒ፡ ንዓይ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ጉዳይ ንሱ`ዩ ነይሩ። ጥሮታ ወጺአ፡ ሒደት ዓመታት ክነብር እደሊ`የ፡ የቐንየለይ"
ክስዔ፣ ዘይጥዑይ ኣመጋግባ፣ ምንቅስቓስ ኣካላት ዘይምግባርን ልዑል ጸቕጢ ደምን ኣብ ልቢ ሳዕቤን ዘለዎም፡ ግን ከኣ ክልወጡ ዝኽእሉ ዝለዓሉ ደረኽቲ ባእታት`ዮም።
ክመይ ጌርካ ጥዕና ልብኻ ከም እትሕሉ፡
- ምትካኽ ሽጋራ ደው ኣብል
- ተንቀሳቐስ
- ክብደትካ ሓሉ
- ብዙሕ ጽሕጊ [ፋይበር] ዘለዎም መግብታት ተመገብ
- መጠን ዝቕባበ ስብሒ ነኪ
- ጨው ነኪ
- ዓሳ ብላዕ
- ኣልኮላዊ መስተ ኣይተብዝሕ
- ኣብ`ቶም እትዕድጎም መግብታት ይኹኑ መስተ ዘሎ መግለጽታት ኣንብቦ
ምንጪ፡ ኤንኤች ቾይስስ
ዳርጋ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ነቲ መርመራ ገይሮሞ፡ 78 ሚእታዊት ካብ`ኣቶም ድማ ዕድመ ልቦም ካብ ዕድሚኦም ዝዓቢ ኮይኑ ተረኺቡ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ክሞቱ ዝለዓለ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ኣሎ ማለት`ዩ።
ብመሰረት`ቲ መርመራ፡ 34 ሚእታዊት ካብ`ኣቶም ሓሙሽተ ዓመት ካብ ሓቀኛ ዕድሜኦም ይዓብዩ፡ 14 ሚእታዊት ድማ 10 ዓመት ካብ ዕድሜኦም ይዓብዩ ኮይኖም ተረኺቦም።
ኣብ ኢንግላንድ ኣብ ዓመት ልዕሊ 84,000 ሰባት ብመጥቃዕቲ ልቢ ወይ ወቕዒ ይሞቱ።
"እዚ መርመራ`ዚ ሚሊዮናት ሰባት ናይ ምድሓን ዓቕሚ ኣለዎ" ኢሉ ዶ/ር ማት ኪርኒ ናይ ኤን ኤች ኤስ ኢንግላንድ።
እቲ መርመራ ደገፍ ናይ ብሪቲሽ ሀርት ፋውንዴሽንን ማሕበር ወቕዒን`ውን ረኺቡ`ሎ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስትሮክ ኣሶስየሽን፡ ጁልየት ቦቨሪ፡ "ኣብ መላእ ብሪጣኒያ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ዝኾኑ ክልተ ካብ`ቶም ዝዓበዩ መበገሲ ወቕዒ ዝኮኑ ሕማም ልዑል ጸቕጢ ደምን ክትቆጻጸሮ ዘይትኽእል ሃንደበታዊ ፈርፈርታ ልብን ከምዘለዎም ዘይተፈለጠሎምን ዘይተፈወሱን ሰባት ኣለዉ ኢልና ንኣምን። ነዞም ሕማማት`ዚኣቶም ምፍዋስ፡ ሓደጋ ወቕዒን ንሱ ዘስዕቦም ሃስያታትን ኣብ ምንካይ ዓቢ ተራ ኣለዎ" ትብል።
እቲ መርመራ ብዛዕባ ኣካላውን ደረጃ መነባብሮኻን 16 ቀለልቲ ሕቶታት ምስ ሓተተ፡ ግምታዊ ዕድመ ልብኻ ነጊሩ ኣብ ዝተወሰነ ዕድሜኻ ከጋጥመካ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ልቢ ወይ ወቕዒ ይግምተልካ።
ሰባት ኩነታት መነባብሮኦም ቀይሮም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ብኣጋ ክኣልዩሉ ዝኽእሉ መንገድታት`ውን ይሕብር።
- ሓደ ዓመት ምትካኽ ሽጋራ ደው ምስ ኣበለ፡ ናይ ሓደ ሰብ ብሕማም ልቢ ናይ ምስቓይ ዕድሉ ካብ`ቲ ዘትክኽ ሰብ ብፍርቂ ይንኪ።
- እቲ ኣብ ሰሙን ክትገብሮ ዘለካ መጠን ዝተወሰነልካ ምንቅስቓስ ኣካላት ምስ ወዳእካ፡ ብውሑዱ ናይ 150 ደቓይቕ ማእከላይ ኤይሮቢክስ፡ ከም ምዝዋር ብሽክለታን ቅልጡፍ ስጉምቲ ዘለዎ ናይ እግሪ ጉዕዞን መጠን ሓደጋ ሕማም ልብን ወቕዒን ይንኪ`ዩ።
- መጠን እትምገቦም ፍረታታትን ኣሕምልትን ካብ ሰለስተ ጊዜ ናብ ሓሙሽተ ጊዜ ምድያብ፡ ንተኽእሎ ሕማም ልብን ወቕዒን ይንኪ`ዩ።
ዴቪድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ጀሚሩ፣ መጠን ዝወስዶ ዝነበረ ኣልኮላዊ መስተ ነክዩ፡ ጥዑይ ኣመጋግባ ድማ ክምገብ ጀሚሩ።
ጥዕናኻ ክትቆጻጸር ምኽኣልን ነቲ ተተሓሒዝካዮ ዘለኻ ነገር ምፍላጥን ዕግበት ዝህብን ዘሕይልን`ዩ ድማ ይብል።
ዛጊት፡ ኣስታት 14 ኪሎ ካብ ክብደቱ ነኪዩ፡ ኣመልካቲ ኩምራ ኣካላቱ [ቦዲ ማስ ኢንዴክስ] ድማ ብሽዱሽተ ነጥቢ ነክዩ`ሎ።
"ነዊሕ፣ ሕጉስን ጥዕና ዝመልኦን እዋን ጥሮታ ክህልወኒ`የ ዝደሊ፡ ሕጂ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ከኣ ንሱ`ዩ። ብቐጻሊ ነርብዓ ዓመታት ሰሪሐ`የ፡ ሕጂ ግን ክድሰት`ምበር እቲ ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ክኾኖ ዝኽእል ዝነበርኩ ምርኩስ ሒዘ ኣብ ጎደናታት ደርገፍ ክብል ኣይደልን`የ።
"ተወሳኺ ቢራ ወይ ተወሳኺ ወይኒ ንኽሰቲ ዝፍተነሉ/ዝደፋፋኣሉ እዋን እፈልጥ`የ፡ ንዕኡ ንምእላይ ክገብሮም ዘለኒ ነገራት ድማ እፈልጥ`የ። ጽቡቕ`ዩ፡ ክትገብሮ ዘለካ ዘበርትዕ ነገር`ዩ"
"ዓላማ ናይ`ዚ ሓባሪ ዕድመ ልቢ [ሀርት ኤጅ ቱል] ንሰባት ከጋጥሞም ንዝኽእል ሓደጋ ሕማም ልቢ ምጥንቃቕን ለውጢ ኣነባብራ ክገብሩን ምምዓድን`ምበር ዝኾነ ይኹን ሕማም ልቢ ምሕባር ኣይኮነን" ትብል ላዕለወይቲ ነርስ ልቢ ኣብ ብሪቲሽ ሀርት ፋውንዳሽን ሞውሪን ታልቦት።
"ብዛዕባ ዕድመ ልብኻ ትሻቐል እንተድኣ ኮይንካ፡ ንሓኪምካ ከተማኽር ኣሎካ" ኢላ ድማ ትምዕድ።