ንሓለቓኻ ምጽላእ ሓደ ካብ ጠንቅታት ሕማም ልቢ ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ?

ብዛዕባ ጠንቅታት ወቕዒ ልቢ ምስእትሓስቡ፡ ቀልጢፉ ናብ ኣእምሮኹም ዝመጽእ እንታይ እዩ? ሽጋራ ምትካኽ፣ ዓቐኑ ዘይሓለወ ርጒዲ፡ ከምኡ'ዉን ምዉስዋስ ኣካላት ምስ ዘይነዘዉትር፤ ኩላትና እንፈልጦም ጠንቅታት እዮም።

ንሓለቓኻ ምጽላእ ሓደ ካብ ጠንቒታት ሕማም ወቐዒ ልቢ ምዃኑኸ ትፈልጡ'ዶ?

ካልኦት ዘይተፈልጡ ጠንቅታት እውን ግን ኣለዉ። ንኹሎም ብዝርዝር ንርኣዮም።

1. ኣስናንካ ዘይምጽራይ

ኣስናናን ልብናን ንሓድሕዶም ተጸላለውቲ ምኳኖምዶ ትፈልጡ?

ብዙሓት መጽናዕትታት ከምዘርእይዎ፡ ደስ ዘይብል ሽታ ኣፍ ዘለዎም ሰባት፡ ዝለዓለ ጸገማት ጥዕና ልቢ እዩ ዘጋጥሞም።

ደም ዝሰረበ ወይ ከኣ ነድሪ ዘጋጠሞ ግርጻን፡ ባክተርያታት ናብ ሰራዉር ደም ብቐሊሉ ክኣትዉ ዕድል ይፈጥረሎም።

ብኡ ኣቢሎም ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቶም ካብ ልቢ ናብ ካልኦት ኣካላት ደም ዘመሓላልፉ ሰራውራት፡ ናይ ስብሒ ብዕካኸ ክእከብ ይገብሩ።

ጸላም ከብዲ ገለ ፕሮቲናት ብብዝሒ ክተመንጩ እውን ክገብሩ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣብ ሱር ደም ነድሪ ወይከኣ (ኢንፍሌሜሽን) ይፈጥር።

እዚ ኣብ ሱር ደም ዝፍጠር ነድሪ ከኣ፡ ወቕዒ ልቢ ከስዕብ ይኽል።

ፍታሕ ናይዚ ድማ፡ ኣስናንና ብተደጋጋሚ ምጽራይን ናብ ሓኪም ስኒ ብምኻድ ኩነታት ጥዕናና ምፍላጥን'ዩ።

2.ኣብ ኣስራሒኻ ምጽላእ

ንሓለቓኻ ምጽላእ ሓደ ካብ ጠንቒታት ሕማም ወቐዒ ልቢ ምዃኑኸ ትፈልጡ'ዶ?

ቐልዲ ኣይኮነን፡ ንሓላፊኻ ምጽላእ ሓደ ካብ ጠንቂታት ሕማም ልቢ እዩ።

ቐድሚ 10 ዓመታት ኣብ ሲዊድን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፤ ኣብ ሞንጎ ሓለቓን ሰራሕተኛን ናይ ዘይምስምምዕ ሃዋህዉ ምስ ዝፍጠር ብ 40 ሚኢታዊት ጸገም ወቕዒ ልቢ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ጸቕጢ፡ ወቕዒ ልቢ ከልዕል ከምዝኽእል እዮም ሰብ ሞያ ዝዛረቡ።

ብተወሳኺ እኹል ድቓስ ዘይምርካብን ግቡእ ኣመጋግባ ዘይምሕላዉን ንሕማም ሰራዉር ደም ከቓልዑ ይኽእሉ።

3.ዘሰምብዱ ፍጻመታት

ዘይተጸበኻዮ ሞት መቕርብን ኣባላት ስድራቤትን ልብኻ ዝሰብር ስሚዒት'ዩ ዝፈጥረልካ።

ሓኪም ልቢ ጃኪ ኢዩባኒ ፤ ጭንቐት ክሕይል ከሎ ብዝሒ ኣድረናሊን ይውስኽ።

እዚ ድማ ውቅዒት ልቢ ብምውሳኽ ጸቕጢ ደም ክብ ክብል ክገብር ይክእል እዩ።

4.ጽምዋ

ምስ ማሕበረ ሰብ ዘይሕወሱ ሰባት ኣስታት 29% ብቐሊሉ ሕማም ልቢ ከጥቀዖም፤ 32% ድማ ናይ ልቢ መጥቃዕቲ ክወርዶም ከም ዝኽእል ኣብ መጽሄት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

በይንኻ ምዃን ኣዝዩ ኣጨናቒ'ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ንበይኖም ዝንጸሉ ሰባት ዝህግዞምን ዘዘናግዖምን ሰብ ስለ ዘይረኽቡ፡ ንስሚዒታቶም ዘተሃዳድኣሎም ሰብ ኣይረኽቡን እዮም።

ኣብ 2014 ዓ.ም ንልዕሊ 8 ዓመታት ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፤ ኣስታት 700,000 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ፤ ምስ መጻምደን ዝቕመጣ ደቒ ኣንስትዮ ምሰተን ንበይነን ዝነብራ ክነጻጸራ እንከለዋ፡ ብሰንኪ ድኽመት ልቢ (ሰሚክ ካርደዮ ማይፓቲ) ናእ ምሟት ዕለን ብ 28% ዝተሓተ እዩ።

5.ጭንቐት

ማሕበር ልቢ ኣሜሪካ፡ 33% ሕሙማት ወቕዒ ልቢ፡ ብጭንቐት ዝሳቐዩ ክኾኑ ከምዝክእሉ እዩ ዝግምት።

ክኢላታት ድማ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ንጥዕነኦም ዝምልከት ኣድማዒ ውሳኔታት ንምግባር እቲ ዝህልውሉ ኩነታት ከምዘጸግመሎም ይዛረቡ።

ጭንቀት ዘለዎም ሰባት መኣዛ ዘለዎም መግቢታት ብምምጋብን ካብ ኣልኮላዊ መሰተ ብምርሓቅን ጥዕነኦም ከማሓይሹ ከምዝኽእሉ ሰብሞያ ይምዕዱ።

"ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት፡ ናብ ከጸናንዖም ዝኽእል ነገራት ጥራይ'ዮም ዘድህቡ፤ ብዛእባ ትዕነኦም ኣይኮኑን ዝሓስቡ" ትብል ዶክተር ኒየካ ጎልድበርግ።

6.ንጽፈ ጽግያት

ደቂ ኣንስትዮ፡ ንጽፈ ጽግያት ምስኣጋጠመን፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንሕማም ወቕዒ ልቢ ዝተቓለዓ እየን።

እዚ ድማ ምስ ምጉዳል ኣብ ሰብነተን ዝርከብ ሆርሞን ኦስትርጅን ዝተሓሓዝ እዩ።

ሆርሞን ኦስትሮጀን ንዉሽጣዊ ክፋል መንደቕ ሱር ደም ልስሉስን ተዓጻጻፍን ክኸውን ይገብር ተባሂሉ እዩ ዝእመን።

እንተኾነ ግን፡ ጽቡቕ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ምስ እንኽተል፡ ነዞም ጽልዋታት ክንንክዮም ንኽእል ኢና።