ኢራን ካልኣይቲ መርከብ ነዳዲ ከምዝሓዘት ገሊጻ

ኢራን ካልኣይቲ መርከብ ነዳዲ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ከምዝሓዘት ቴሌቪዥን ናይታ ሃገር ገሊጻ።

ሮይቶርስ ከምዝጸብጸቦ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን "ናብ ገለ ሃገራት ኣዕራብ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ነዳዲ ተስግር ዝነበረት ናይ ወጻኢ መርከብ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ሒዙ" ክትብል እያ እታ ቴሌቪዥን ጸብጺባ።

እታ መርከብ 700,000 ሊትሮ ነዳዲ ጽዒና ነይራ ዝተብሃለ ክኸውን ከሎ፡ ሸውዓተ ባሕረኛታት እውን ተቐይዶም እዮም።

እታ መርከብ ናይ ዒራቕ ምዃና ኢራን ገሊጻ ኣላ፡ ዜግነት ናይቶም ባሕረኛታትን ግን ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ንግዲ ነዳዲ ኢራን ጽኑዕ እገዳ ድሕሪ ምንባራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሓያል ወጥሪ ተፈጢሩ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ኣመሪካ ካብቲ ምስ ኢራን ዝገበረቶ ናይ 2015 ኒዩክሌር ዝምልከት ስምምዕ ድሕሪ ምስሓባ እያ ነቲ እገዳታት ኣንቢራ።

ኢራን፡ ነዳዲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብመርከብ ንምስጋር ተፈቲኑ ክትብል ትኸስስ ዘላ ንኻልኣይ እዋን እዩ። 13 ሓምለ፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢራን ናይ ፓናማ ባንዴራ ንእተንበልብል መርከብ ሒዞም እዮም።

ልሳን ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝኾነ ናይ ዜና ገጽ ከምዝበሎ፡ ዘይሕጋዊ ምስጋር ነዳዲ ንምክልኻል ተባሂሉ ኣብ ባሕሪ ብዝግበር ቁጽጽር እያ እታ መርከብ ተታሒዛ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኢራን ስቴና ኢምፔሮ እትበሃል ናይ እንግሊዝ ባንዴራ እተንበልብል መርከብ ነዳዲ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ሒዛ እያ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ጉንበትን ሰነን ኢራን ነታጒ ተጠቒማ ኣብ ወሽመጥ ዖማን፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺማ እያ ክትብል ወቒሳ እያ። ኢራን ግን ኣይወዓልኩዎን ክትብል ነቲ ክሲ ትነጽጎ።