እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኢራን ከም ዘውደቐት ሓቢራ
ኣሜሪካ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኢራን ኣብ ልዕሊ ሆርሙዝ ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር እናበረረት እንከላ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ከም ዝተሃርመት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ከም ዝሓበሮ፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኢራን ናብ መርከብ ኣሜሪካ ምስ ቀረበት፡ ንነፍሰ-ምክልኻል ተባሂሉ እቲ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ሓቢሩ።
እንተኾነ ግን፡ ኢራን ሰብ-ኣልቦ ነፋሪታ ከም ዝተሃርመት ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይብላ ሓቢራ። ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ብኢራን ተሃሪማ ከም ዝተሓምሸሸት ይፍለጥ።
ኣሜሪካ ናይ ኲናት መራኽባ ናብቲ ከባቢ ሆርሙዝ ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር ዘጸግዐት ኮይና፡ ክልቲአን ሃገራት ተፋጢጠን ኣብ ዘለዋሉ እዋን እዩ እዚ ዘጋጠም ዘሎ።
እዚ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ንሂሩ ዘሎ ምውጣጥ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ኒኩለራዊ ስምምዕ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ስምምዕ፡ ኢራን ምስተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ጀርመንን እያ ከቲማቶ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ በይንኣዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ስምምዕ ጎስዩ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዳግማይ እገዳ ኣንቢሩ።
ካልኦት ሃገራት ኣሰር ኣሜርካ እንተስዒበን፡ ኢራን ኒኩለራዊ ንጥፈታት ደጊማ ክተበራብሮ ምዃና ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብኢራን ዝተፈጸመ ምዃኑ ብተደደጋሚ ክሕብር ጸኒሓ እያ። ኢራን ብወገና፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸመቶን፡ ነቲ ክሲ ኣሜሪካ ብትሪ ክትነጽጎ ጸኒሓ።
ድሕሪ እቲ ወጥሪ እንታይ እዩ ዘሎ?
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣመሪካ ነተን ካብ እገዳ ኣመሪካ ነጻ ኮይነን፡ ካብ ኢራን ነዳዲ ዝገዝኣ ዝነበራ ሃገራት ጠጠው ከተብሎ ምስ ወሰነት እዩ እቲ ወጥሪ ተጀሚሩ።
እቲ ውሳኔ ንሰደድ ነዳዲ ኢራን ናብ ዜሮ ንምውራድን፡ ንመንግስቲ ኢራን ነቲ ካብ ነዳዲ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊ ንምኽላእን ዝዓለመ እዩ።
ፕረዚደንት ደናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ምስ ኢራን ዝኸተመቶ ውዕል ኒኩሉር ምስ ሰሓበት፡ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ከም ዘንበረ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብ ርእሲኡ እውን መንግስቲ ኣመሪካ ሓንቲ ነፈርቲ ዝጸዓነት መርከብን፡ ቢ-52 ዝዓይነተን ነፈርትን፡ ናይ ምክልኻል ሚሳይልን ዝዓጠቐ ሓይሊ ኣብቲ ዞባ ክትልእኽ ወሲና'ላ።