እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣመሪካ ብዘጋጠሙ ክልተ መጥቃዕትታት 29 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ኤል ፓሶ ኣብ እትበሃል ከተማ ብዝተኸፈተ ኣልማማ ተዅሲ ዕስራ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፤ 26 ከኣ ቆሲሎም።
ድሕሪ እዚ ናይ ቴክሳስ መጥቃዕቲ ድሕሪ ሰዓታት ድማ፡ ኣብ ደይተን ኦሃዮ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብረት፡ 9 ሰባት ከም ዝሞቱን ብውሑድ 16 ከም ዝቆሰሉን ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ቴክሳስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዶብ ኣመሪካ-ሜክሲኮ ኣብ ቁሩብ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ 'ወልማርት ሱፐርማርኬት' እዩ ኣጋጢሙ።
ምስዚ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ፡ ሓደ ወዲ 21 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ። እቲ ጥርጡር፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከተማ 1,046 ኪሜ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣለን እዩ ዝነብር።
ፓትሪክ ክራስየስ ከምዝበሃል ድማ መራኸብቲ ብዙሓን ኣመሪካ ገሊጸን።
ካብ ናይ ሓለዋ ካሜራ ኣብ ዝተወሰደ ስእሊ፡ እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተብሃለ ሰብ፡ ጸሊም ካምቻ ተኸዲኑ፣ መከላኸሊ ድምጺ ኣብ እዝኑ ገይሩ፣ ክላሽን ዓሚሩን ይረኣይ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ መጥቃዕቲ "ስራሕ ፈራሓት" ክብል ገሊጽዎ።
"ነዚ ናይ ሎሚ ጽልኣታዊ ተግባር ምስዝኹንኑ ኩሎም ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ሰባት፡ ኣነ'ውን ምስኦም ኣለኹ። ቅትለት ንጹሃን ሰባት ምኽንያት ኮነ መመኽነይታ ክቐርበሉ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።
መንነት እቶም ግዳያት ዛጊት ኣይተገለጸን። እንተኾነ፤ ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ፡ ሰለስተ ዜጋታት ሜክሲኮ ከምዝኾኑ ይግለጽ ኣሎ።
እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ኤል ፓሶ ከምዝበሎ፤ ሓደ ዕጡቕ ተኹሲ ከፊቱ ከምዘሎ ናብ ፖሊስ ጸብጻብ ምስበጽሐ፤ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ደቓይቕ እዮም ናብቲ ቦታ በጺሖም።
እቲ 'ሱፐር ማርኬት' ናውቲ ትምህርቲ ብዝዕድጉ ዓማዊል መሊኡ እዩ ነይሩ።
እቲ ወዲ 21 ዓመት፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ብሕታዊ ጥርጡር ክኸውን ከሎ፡ ፖሊስ ክኣስርዎ እንከለዉ ጥይት ኣይተኮሱን።
ኪያና እቲ ተኹሲ ከጋጥም ከሎ፡ ኣብቲ ሱፐር ማርኬት ምስ ሰብኣያ ከምዝነበረትን ድምጺ ተኹሲ ከምዝሰምዐትን ትዛረብ።
"ሰባት ሰምቢዶም ይጎይዩ ነይሮም፤ ተኹሲ ዝኸፈተ ሰብ ከምዘሎ'ውን ይዛረቡ ነይሮም" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ሰባት ናብ ባይታ ይወድቁ ነይሮም" ድማ ኢላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፤ ኣብ ደይተን ኦሃዮ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብረት 9 ሰባት ከም ዝሞቱን ብውሑድ 16 ከም ዝቆሰሉን ፖሊስ እታ ኸተማ ገሊጹ።
እዚ ፍጻሜ ድሕሪ እዚ ናይ ቴክሳስ ሒደት ሰዓታት ጸኒሑ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ፖሊስ ነቲ ተኹሲ ዝኸፈተ ወቒዖም ከም ዝቐተልዎ ገሊጹ።
ቁሱላት ናብ ዝተፈላለያ ሆሰፒታላት ተወሲዶም ኣለዉ።