ኢጣልያ፡ ፓሊስ ጸረ-ግብረሽበራ ሕሉፋት የማናውያን ሒዞሞ ዝጸንሑ ሚሳይላት መንዚዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፓሊስ ጸረግብረሽበራ ኢጣልያ፡ ኣብ ኢድ ሕሉፋት የማናውያን ምዕቡል ወታሃደራዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ረኺቦም።
ኣብቲ ኣብ ሰሜን ክፋል'ታ ሃገር ብሓይልታት ጸጥታ ዝተኻየደ ስርሒት፡ ሰለስተ ሰባት ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ካልእ ብርክት ዝበለ ምዕቡል ዓጽዋራት ከም ዝረኸቡ'ውን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ስርሒት ኣካል ናይቲ ፓሊስ ኣዊጅዎ ዘሎ ንሕሉፋት የማናውያን ናይ ምቁጽጻር ወፍሪ'ዩ።
እቲ ኣብ ሓደ ናይ ብሕቲ መኽዘን ዝተረኽበ ሚሳይል፡ ሰራዊት ቐጠር ዝጥቀመሉ ምዃኑ'ውን ፓሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።
"ኣብቲ ዝገበርናዮ ስርሒት፡ ሰራዊት ቐጠር ዝጥቀመሉ፡ ጽቡቕ ጌሩ ዝሰርሕ ተወንጫፊ ሚሳይል ሒዝና" ክብል ፓሊስ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።
እቲ ሚሳይል፡ ነቲ ብፈረንሳ ዝስራሕ ማትራ ሱፐር 530F ዝመሳሰል'ዩ ተባሂሉ።
ብ3 ሓምለ ሓደ ቤት ፍርዲ ከተማ ጀነዋ፡ ንሰለስተ ኣብ ጎኒቶም ብሩስያ ዝድገፉ ተቓወምቲ ዩክሬን ተሰሊፍኩም ተዋጊእኩም ብዝብል ክሲ ንማእሰርቲ ፈሪድዎም ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ኣብ ሚያዝያ 2014 ዝተወልዐ ጎንጺ፡ ልዕሊ 10 000 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







