እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ ንወዱ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ክኸውን ረቝሕዎ
ኣባል ሰልፊ የማናዊ ክንፊ ዝኾነ ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ፡ ንወዱ ኣብ ኣሜሪካ ከም ኣምባሳደር እታ ሃገር ኮይኑ ከገልግል ከም ዝረቑሖ ተገሊጹ።
ወዲ 35 ዝዕድሚኡ ኤድዋርዶ ቦልሶናሮ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ኣባል ባይቶ ኮይኑ የገልግል፡ ንኣቡኡ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ድማ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ይሰርሕ።
ንሱ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ስራሕ ናይ ኣምባሳዳርነት እንተተዋሂብዎ፡ ነቲ ስራሕ ክቕበሎ ድልው ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ናይ ኣምባሳዳርነት ቦታ፡ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ክፉት እዩ ዘሎ።
ቦልሶናሮ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዘካየዶ ዕውት ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ እዩ ከም ፕረዚደንት ብራዚል ኮይኑ ተመሪጹ።
ኤድዋርዶ ኣምባሳደር ኮይኑ ከገልግል እንተወሲኑ፡ ካብ ኣባልነት ባይቶ ክወጽእ ኣለዎ።
ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ነቲ ሓላፍነት ናይ ምቕባል ውሳነ ኣብ ወዱ ከም ዝምርኮስ ሓቢሩ።
''ኣነ ንመጻኢ ህይወቱ ክውስነሉ ኣይደልን እየ። ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ግን ካብቲ ናይ ባይቶ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ'' ክብል ንሮተርስ ሓቢሩ።
ኣቦን ወድን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዘብሎም ክልቲኦም ደገፍቲ መርገጺ ኣሜሪካ ክኾኑ እንከለው፡ ኤድዋርዶ ድማ ብቅሉዕ ደጋፊ ፕሊሲታት እስራኤል ምዃኑ እዩ።
ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣመሓደርቲ ብራዚል፡ ነተን ዓረባውያን ሃገራት ከየቖጥዑ ተጠንቂቖም ይሰርሑ ምንባሮም ይግለጽ።
ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ፡ ብዙሓት ካብ ስድራቤቱ ከም ኣማኸርቱ ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ይግለጽ። ቦኹሪ ወዱ ፍላቨዮ፡ ሰነተር ኮይኑ፡ ካርሎስ ቦልሶናሮ ድማ ኣብ ከተማ ሮዮ ድጅንየሮ ኣባል ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ ይሰርሕ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን ብዙሓት ካብ ስድራቤቱ ኣብ ፖሎቲካዊ ሰልጣን መዚዙ የስርሖም ምህላው ይፍለጥ።