እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩባንያ ቦይንግ፡ ጠለብ ነፈርቲ 737 ማክስ ተሰሪዝዎ
ብተዛማዲ ትሑት ክፍሊት ዘኽፍል መገዲ ኣየር ስዑዲ 'ፍላይድይል' ምስ ኩባንያ ቦይንግ ኣትዩዎ ዝነበረ ውዕል ምግዛእ 30 ነፈርቲ 737 ማክስ ሰሪዝዎ።
እዚ ውሳነ ንምወዳቕ ማክስ 737 ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ተኸቲሉ ኢዩ ዝውሰድ ዘሎ።
ድሕሪ'ቲ ሓደጋ እዘን ዓይነት ነፈርቲ ካብ ስራሕ ደው ኢለን ይርከባ። ውሑሳት ንምግባረን ድማ ቦይን ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ይርከብ።
ኩባንያ ቦይንግ፡ ፍላይድይል ካብቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ምውጻኣ ወግዓዊ ገይሩ።
እቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ብውሑዱ ናይ 5.9 ቢልዮን ዶላር ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ትሕቲ ብመንግስቲ ዝውነን መገዲ ኣየር ሱዕዲ ዝመሓደር ፍላይድይል፡ ኣቃልብኡ ናብ ኩባንያ መፍረ ነፈርቲ ኣይርባስ ብምግባር A320 ዝዓይነተን ነፈርቲ ክውንን'ዩ።
ሓደጋ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ወርሒ ንኻልኣይ ግዘ ዘጋጠመ ምውዳቕ ነፋሪት 737 ማክስ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
እተን ደው ኢለን ዘለዋ ዓይነት ነፋርቲ 737 ማክስ መዓስ ናብ በረራ ከም ዝምለሳ ብጩቡጥ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ቦይንግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንስድራቤት ግዳያት እቲ ሓደጋታት ዝኸውን 100 ሚልዮን ዶላር ከም ዝህብ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።
እዚ ገንዝብ ምስቲ ብስዳራቤት ግዳያት ዝተመስረተ ክሲ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። እዚ ስጉምቲ ብጠበቓታት ስድራቤት ግዳያት ተቐባልነት ኣይረኸበን።