እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልእልቲ ሃያ፡ በዓልቲቤት ልኡል ዱባይ 'ንህይወታ ብምስጋእ' ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምህዳማ ተገሊጹ
በዓልቲ ቤት ልኡል ዱባይ፡ ሸኽ መሓመድ ኣልመክቱም፡ ልእልቲ ሃያ ቢንት-ሁሴን፡ ንህይወታ ብምስጋእ ካብ ሰብኣያ ሃዲማ አብ ዓዲ እንግሊዝ ተሓቢኣ ምህላዋ ተገሊጹ።
ወዲ 69 ዓመት ቢልዮነር ሸኽ መሓመድ ኣልመክቱም፡ ኣብ ኢንስታግራም፡ መንነታ ንዘይገለጻ ንሓንቲ "ከዳዕ" ዝበላ ሰበይቲ፡ ቁጥዐ ዝመልኦ ግጥሚ፡ ዘርጊሑ ኣሎ።
ኣብ ዮርዳኖስ ዝተወለደት ጓል 45 ዓመት ልእልቲ ሃያ፡ ኣብ 2004 እያ ምስ ሸኽ መሓመድ ብምምርዓው፡ መበል ሻድሸይቲ ሰበይቱ ኮይና።
ሸኽ መሓመድ ካብ ዝተፈላለያ ኣንስቲ 23 ቆልዑ ከም ዘለዎ ይግለጽ።
እታ ልእልቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ጀርመን ብምህዳም ዑቕባ ሓቲታ ነይራ። ንሳ ኣብዚ እዋን ኣብ ማእከላይ ለንደን ኣብ ዝርከብ 107 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዘውጽእ መንበሪ ገዛ ትቕመጥ ከም ዘላን፤ ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ንምውሳድ ትዳሎ ምህላዋን ተፈሊጡ።
እታ ልእልቲ ስለምንታይ ካብቲ ኣብ ዱባይ ዝነበራ ዝተደላደለ ናብራ ሃዲማ?
ነታ ልእልቲ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ከም ዝገልጽዎ፡ እታ ልእልቲ ክትኩብልል ዝገበራ እቲ ካብ ሓንቲ ካብ ደቂ ሸኽ መሓመድ ዝኾነት ሸይካ ላቲፋ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ምዃኑ ይሕብሩ።
ሸይካ ላቲፋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ያ፡ ብምትሕብባር ሓደ ፈረንሳዊ፡ ብባሕሪ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክትሃድም ኣብ ዝፈተነትሉ ኣብ ገማግም ህንዲ ተታሒዛ ናብ ዱባይ ዝተመለሰት።
ኣብቲ እዋን ልእልቲ ሃያ፡ ዱባይ ቅኑዕ ስጉምቲ ከም ዝወሰደት ብምግላጽ፡ ነቲ መንግስቲ ተኸላኺላ ነይራ።
ሰብ መዚ ዱባይ ብወገኖም፡ እታ ሃዲማ ዝነበረት ሸይካ ላቲፋ "ንምዝመዛ" ተቓሊዓ ምንባራን "ውሑስ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ኣብ ዱባይ" ምህላዋን ገሊጾም ነይሮም።
ልእልቲ ሃያ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ሓበሬታታት ከም ዝረኸበትን፤ በዚ ድማ ካብ ስድራቤት ሰብኣያ ጸቕጢ ክበጽሓ ከም ዝጸንሐን ይግለጽ።
ልእልቲ ሃያ፡ ተጨውያ ናብ ዱባይ ከይትምለስ ስግኣት ከምዘለዋ ናብኣ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ሓቢሩ። ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ለንደን ግና እዚ ናይ ውልቀ ሰባት ጉዳይ እዩ ብምባል ዝኾነ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።