ወዲ ሰብ መዓስን ስለምንታይን'ዩ ምዝራብ ጀሚሩ?

ዝተፈላለዩ ናይ ዝርርብ ምልክታት ሒዞም ዝተሰርዑ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መዓስ ኢዮም እቶም ቀዳሞት ኣበዋት ምዝራብ ዝጀመሩ? ንመበገሲ ናይቶም ሎሚ ንዝዝውተር ኣሽሓት ቋንቋታት ምርካብ፡ ይከኣል ዶ ይኸውን?

ከምቲ ገለ ሊቃውንቲ ስነ-ጥንቲ [ኣርኪዮሎጅስት] ዝብልዎ፡ ወዲ ሰብ ካብ ዝፍጠር ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዓመት ገይሩ ኣሎ፡ ካብታ ዝተፈጥረላ እዋን ጀሚሩ ድማ ኣብ ንሕድሕዱ ዘካይዶ ርክባት ስሉጥ ንምግባርን ንምርድዳእን ገለ መራኸቢታት ክምህዝ ናይ ግድን ነይሩ።

ቃላት ከም ሓድጊ ወዲ ሰብ ኣሰር ስለዘይገድፍ ግና ብትኽክል ወዲ ሰብ መዓስ ምዝራብ ከምዝጀመረ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ ኢዩ። እንተኾነ ሊቃውንቲ ስነ-ጥንቲ ከምዝብልዎ፡ ደቂሰባት ኣብ ንሕድሕዶም ብምዝራብ ክረዳድኡ ዝኸኣሉ ቅድሚ 50,000 ዓመታት ኣቢሉ ምዃኑ ይገልጹ።

መዓስ ኢዮም እቶም በድኒ ብምምእራር ከብዶም ዝዕንግሉ ዝነበሩን፡ ሓዊ ብምንኻስን ብምድጓልን፡ ናብ ጥቕሚ ዘውዓሉ ቀዳሞት ኣበዋት ምዝራብ ዝጀመሩ?

ደፋእታዊ ለውጢ

ኣብ ኒው ካስትል ዩኒቨርስቲ ናይ ቋንቋ ምህርቲ ፕሮፌሰር ማጊ ቶለርማን፡ ``ደቂ ሰባት ካብ እንስሳታት ፍሉይ ዝገብረና እንረዳድኣሉ ቋንቋ ስለዘሎና ኢዩ`` ትብል።

ተመራማሪ ስነ-ሰብን [ኣንትሮፖሎጂ] ደፋእታዊ ለውጢ ደቂሰባትን [ኤቮሉሽን]፡ ሮበርት ፎለይ ብወገኑ ቋንቋ ካብ ዝዝውተር ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዓመት ገይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ልዕሊ 6,500 ቋንቋታት ኣለው። እንተኾነ ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ከመይ ገይሮም ኢዮም እታ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ ቋንቋ ከለልይዋ ዝኽእሉ?

እንተድኣ እታ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ ክንሰሚ ተሓቲትና፡ ምናልባሽ እቲ ኣብ ግዜ ባቢሎን ዝዝውተር ዝነበረ፡ ወይ ድማ ኣብ ጥንታዊት ህንዲ ዝዝውተር ዝነበረ ቋንቋ ሳንክሪት፡ ወይ ድማ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ዝዝውተር ዝነበረ ምረቛሕና ኔርና። [ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ዝዝውተር ቋንቋ ግእዝ`ውን ከም ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ቋንቋ ክኸውን ይክእል'ዩ]

እንተኾነ እዘን ዝሃብናየን መልስታት ምስቲ ታሪኽ ናይ ቋንቋታት ዝኾነ ቅርበት የብለንን፡ ትብል ፕሮፌሰር ማጊ ቶለርማን። ምኽንያቱ፡ እተን ጥንታውያን እየን ኢልና ዝረቛሕናየን ቋንቋታት ኣስታት 6,000 ዓመት ዕድመ ዘለወን እየን።

እቲ መበቆል ናይ ቋንቋታት ክምርመር ከሎ፡ደቂ ሰባት ቋንቋ ምዝውታር ካብ ዝጅምሩ ብውሕዱ ኣስታት 50,000 ዓመት ገይሩ ይብሃል። እንተኾነ ብዙሓት ናይ ቋንቋ ኪኢላታት ድማ ልዕሊኡ ክገብር ይኽእል'ዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም።

ጥንታውያን ግብጻውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ መበቆል

ኣሰር ናይዘን ኣብዚ እዋን እንጥቀመለን ዘሎና ኣሽሓት ቋንቋታት ናብ ሓደ መበቆላዊ ወላዲ ከነተኣሳስሮ ንኽእል ዶ?

ዋላ`ኳ ካብቲ ኣብዛ እንነብረላ ዓለም እንጥቀመለን ዝተፈላለያ ቋንቋታት ዝረኸብናዮ ጸጋታት ብዙሕ እንተኾነ፡ ``ኩለን እተን ኣብዚ እዋን እንጥቀመለን ቋንቋታት መበቆለን ሓደ ጥራይ ኢዩ`` ይብል ፕሮፌሰር ሮበርት ፎሊ።

ብዝኾነ፡ ምዕባለ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ዕድመ ናይ ቋንቋታት ክፍለጥ ሓጊዙ'ዩ።

መፈጠራዊ መበቆል ደቂ ሰባት ከምዝሕብሮ ኩላትና ደቂ ሰባት ብተዛማዲ ካብታ ውሑድ ዝህዝባ ኣፍሪቃ ከም ዝመጻና ኢዩ ዘመልክት።

እተን ኣብዚ እዋን ህዝብታት ዓለም ዝጥቀሙለን ዘለው ቋንቋታት ድማ ሓደ መበቆል ኢዩ ዘለወን፡ ካብቶም ኣብዛ ሕጂ እዋን ኣፍሪቃ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣህጉር ዝነብሩ ዝነበሩ ኣበዋት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቋንቋ ዝተወርሳ ክኾና ከለዋ፡ ምስ ግዜ ድማ እናተመሓየሻን እናማዕበላን መጺኤን።

ጭብጥታት ቅሪት

ስነ-ጥንታዊ ኩዕታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ብሊቃውንቲ ስነ-ጥንቲ ዝተረኸቡ ቅሪታት፡ ቀዳሞት ኣበዋትና መዓስ ምዝራብ ከምዝጀመሩ ሒደት ኣፋፍኖት ሂቦምና ኢዮም።

እዚ ድማ፡ ውላ`ኳ ቃላት ከም ቅሪት [fossil] ዝኾነ ኣሰር ስለ ዘይገድፍ ብትኽክል ደቂ ሰባት ምዓስ ምዝራብ ከምዝጀመሩ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ እንተኾነ፡ ብውሕዱ እቶም ቀዳሞት ኣበዋት መዓስ ምዝራብ ከምዝጀመሩ መቓን ናይቲ ግዜ ክንፈልጥ ሓጊዙ ኢዩ።

ኣበዋት ቀዳመይቲ ዘድመጽዋ ቃል እንታይ ክትከውን ትኽእል?

ብዛዕባ ኣባታዊ ቋንቋ ክንዛረብ ኮለና ብዛዕባ`ቲ ቅድሚ እዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዘሎና ቋንቋ ምምሃዙ ንዛረብ ስለዝነበርና፡ እታ ፈላሚት ቃል እንታይ ከምዝነበረት ክንግምት ንኽእል`ዶ?

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ቃላት ከም ቅሪት ኣሰር ስለዘይገድፍ እታ ናይ መጀመርታ ቃል እንታይ ከምዝነበረት ንምፍላጣ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ።

ምስላዊ መግለጺ ጥንታዊ ናብራ ኣብ በዓቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ቀዳሞት ኣበዋት፡ እቶም ዓበይቲ እንስሳ መሮር ሃዲኖም ናይ ዝቐተልዎ በድኒ ምስ ከም ብዓል ኣዛብእ ብምምንጣል ማእሪሮም ይምገቡ ስለዝነበሩ፡ እቶም ነቲ በድኒ ፈለማ ዝረኸቡ እኩባት ደቂ ሰብ ናይ መሰልቶም ሓገዝ ንምንዳይ ክድሃዩ ናይግድን ነይሩ።

ስለዚ እታ ናይ መጀመርታ ዘድሃይዋ ቃል - ምንልባሽ ነቶም ብጾቶም ካብቶም ዓበይቲ እንስሳታት ንምጥንቃቕ ኣውያት ተጠቒሞም ይኾኑ፡ ወይ`ውን ካልእ ናይ ምግራም ወይ`ውን ናይ ታሕጓስ ድምጺ ክኾና ይኽእላ።

ስለዚ እቶም ሰባት ብሓባር ንምንባርን መግቦም ብሓባር ንምምእራርን ዘካይድዎ ዝነበሩ ምንቅስቓት ቀንዲ ኣበርክቶ ንምዕባል ቋንቋ ነይሩ ክብሃል ይኽእል።

እቶም በሊዖም ዝጸገቡ ደቂተባዕትዮ ድማ ባህሪ ዘገደዶ ምስተን ደቀንስትዮ መሰልቶም ንምዝማድ ዝጥቀመሉ ዝነበሩ ድምጺ`ውን ገለ ካብተን ቀዳሞት ድምጽታት ክኾና ይኽእላ ይብሉ ሊቃውንቲ ስነ-ጥንቲ።

ምናልባሽ`ውን እታ ናይ መጀመርታ ድምጺ ፋጻ ክትከውን ትኽእል፡ ከምቲ ስጋብ ሕጂ ኣብ ገለ ቦታታት ቱርክ ብፋጻ ዝዘራረቡ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ዝጥቀምሉ ዓይነት ቋንቋ`ውን ክኸውን ይኽእል።

ስለዚ፡ ከምቲ እቶም ሊቃውንቲ ዝብልዎ፡ ደቂሰባት ናብዚ ናይ ሕጂ ደረጃ ምዕባለ ቋንቋታት ንምብጻሕ ብውሕዱ ኣስታት 100 ሽሕ ዓመት ወሲዱ ክኸውን ይኽእል ይብሉ።