እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕሬዝደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ክራኸብ'የ ኢሉ
ፕሬዝደንት አመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገራት ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ኣብ ዝፈልየን ካብ ኲናት ናጻ ዝኾነ ቐጠና፡ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ክራኸብ ከም ዝደሊ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ መልእኽቲ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ ፡ ንኪም "ሰላም ክብሎ ይደሊ'የ" ይብል። ሰሜን ኮርያ ብወገና፡ "ጽቡቕ ሓሳብ" ዝብል ምላሽ ሂባትሉ።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ ጃፓን ይካየድ ካብ ዘሎ ኣኼባ ጂ-20 እናተብሃለ ዝፍለጥ ጉጅለ ምዕቡላት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ምግባር ኣብ ዝብል ዛዕባ ንምዝታይ ናብ ደቡብ ኮርያ ክኸይድ'ዩ።
ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ክራኸብ ከም ዝኽእል ዝሕብር ዘረባ ኣስሚዑ'ዩ።
"ንኽልተ ደቓይቕ'ውን እንተኾነ እንተተራኸብና ጽቡቕ'ዩ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት፡ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ቾይ ሶን ሂ ምላሽ ሂቡ።
"ጽቡቕ ሓሳብ ገይርና ኢና ንርእዮ፤ ይኹን'ምበር ነዚ ብዝምልከት ዕላዊ ዝኾነ ጻውዒት ኣይበጽሐናን" ኢሉ።
መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ 2018 ወርሒ ለካቲት ኣብ ቬትናም ተራኺቦም ነይሮም።
ዳግማይ ሰነ 2018 ኣብ ሲንጋፖር እንትራኸቡ ግን ከይተሰማምዑ ምፍልላዮም ይዝከር።
ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ቑጠባዊ ማዕቀብ ቅድሚ ምልዓሉ ምልሓም ኒኩለርን ምውንጫፍ ሚሳኤላትን ጠጠው ክተብል ኣለዋ ይብል ኣሎ።