እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ደቡብ ኮርያ በጺሑ
ኪም ጆንግ-ኡን፡ ድሕሪ ናይ 1953 ናይ ኮርያ ኲናት ነቲ ንኽልቲኤን ሃገራት ዝፈላሊ ወተሃደራዊ መስመር ብምስጋር ናብ ደቡብ ኮርያ ኣእጋሩ ዘንበረ ናይ መጀመርታ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኢዩ።
መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን ምስ ኪም ኣብ ዝተጨባበጥሉ እዋን ኣቲ ሃዋሁው ብትእምርቲ ሓጎስ ዝዓመረ ኢዩ ነይሩ።
ኪም እቲ ዝርርብ ``ቅሉዕ`` ክኸውንን ኣብ ምውቕን ክፉትን ሃዋሁው ክካየድ ድማ ተትስፍዩ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኩሉ ዘረባ ሰሜን ኮርያ ዳርጋ ኲናት ዝዓይነቱ ኢዩ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብዛዕባ ስምምዕ ሰላምን ናይ ኒዩክለር ኣጻዋርን ኢዮም ክዘራረቡ።
እቲ ክልቲኦም መራሕቲ ክዘራረብሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ዳርጋ ኣቐዲሞም ተሰማሚዖምሉ ኢዮም። እንተኾነ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ብዛዕባ ናይ ሰሜን ኮርያ ቅሩብነት ነቲ ናይ ኒዩክለር ኣፅዋራት ፈተነ ደው ምባል ኣዝዮም ይጠራጠሩዎ።
እቲ ዘይተጻሕፈ ህሞት
እንተኾነ፡ ብሃገራ ደቡብ ኮርያ ነቲ ክልቲኦም መራሕቲ ኮርያ ኣብቲ ናይ ሓባር ዶብ ዝርከብ ንኽልቲኤን ሃገራት ዝፈሊ ካብ ወተሃደራት ናጻ ዝኾነ ዞባ ተራኺቦም ክጨባበጡ ከለው ፈዚዞም ኢዮም ዝጥምትዎ ነይሮም።
ብድሕሪኡ፡ ኪም ንፕሬዚደንት ደቡብ ኮርያ ነቲ ንኽልቲኤን ሃገራት ዝፈሊ መስመር ብምስጋር ኣብ መሬት ሰሜን ኮርያ ኣእጋሩ ከንብር ምስዓደሞ፡ እቲ ነቲ ፍጻመ ብቴሌቪዥን ዝከታተል ዝነበረ ህዝቢ ኣዝዩ ኣገሪምዎ። ብድሕሪኡ ክልቲኦም መራሕቲ ኢድ ኒድ ተተሓሒዞም ናብ መሬት ደቡብ ኮርያ ተመሊሶም።
ብሓቂ እቲ ህሞት ኣዝዩ ዝተዋደደን ድራማ ዝመልኦ ዘይተሰነደ ህሞት ኢዩ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ርክብ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ነንበይኖም ክብልዑ ተፈላልዮም። ኪም ናብቲ ኣዝዩ ዝሕሎ ሰሜን ኮርያ ብጸላም ሊሞዚን ከይዱ። ድሕሪ ቐትሪ ናብ ደቡብ ኮርያ ድሕሪ ምስጋር ድማ ነቲ ዝርርብ ክቕጽልዎ ኢዮም።
`ሓድሽ ታሪኽ` ተጀሚሩ
ክልቲኦም መራሕቲ ባህላዊ ክዳውንቲ ብዝለበሱ ናይ ክብሪ ዘብዐኛታት ኢዮም ኣብ ደቡብ ኮርያ ተራኺቦም። ብድሕሪኡ ክልቲኦም መራሕቲ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ናብቲ ኣብ ፓንሙንጆም፡ ኣብቲ ካብ ወተሃደራት ናጻ ዝኾነ ዞባ ዝርከብ፡ ናይ ሰላም ህንጻ ኣምሪሖም።
ኪም ኣብቲ ኣብ ፖንሙንጆም ናይ ሰላም ህንጻ ናይ ኣጋይሽ መዝገብ ``ሕጂ ሓድሽ ታሪኽ፡ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘመን ይብገስ ኣሎ`` ዝብል መልእኽቲ ኢዩ መዝጊቡ።
እዚ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ናይ መጀመርታ ርክብ ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኢዩ ተኻይዱ። እቲ ህሞት ድማ ኣዝዩ ትስፍውን ብሩህን ኢዩ ነይሩ። ኪም እናተዋዘየ ድማ ናብቲ ኣኼባ እቲ ህቡብ ናይ ሰሜን ኮርያ ዝሑል ንዱል [ፓስታ ዝመስል መግቢ] ሒዙ ከምዝመጸ ሓቢሩ። ``ተስፋ ይገብር ነቲ ንዱል ክትፈትውዎ`` ድማ ኢሉ።
ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ድማ እቲ ርክብ ናብ ሰላምን ብልጽግናን ክምዕብል ዘለዎም ተሰፋ ገሊጾም። እቲ ናይ ክልቲኤን ኮርያ ርክብ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኪምን ፕሬዚደንት ትራምፕን ኪግበር ትጽቢት ዝተነብረሉ ርክብ ባብ ዘርሑ ክኸውን ኢዩ ይብሃል።
ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ኣሜሪካ ስጋብ ሎሚ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ተራኺቡ ኣይፈልጥን።
ቀንዲ ኣተኩሮ እቲ ዝርርብ
እቲ ቀንዲ ኣተኩሮ`ቲ ዝርርብ ኣብቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝኾነ መደባት ኒዩክለራዊ ኣጻር ሰሜን ኮርያ ኢዩ ክኸውን።
ሰሜን ኮራይ ነቲ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር መደባት ደው ክተብሎ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣዝይ ``ኣሸጋሪ`` ኢዩ ኢላ ደቡብ ኮርያ። ድሕሪ`ቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ርክብ፡ ናይ ሰሜን ኮራይ ናይ ኒዩክለርን ናይ ሚሳይል ቴክክኖሎጂን ኣዝዩ ማዕቢሉ ኢዩ።
ኪም ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሃገሩ ነቲ ተካይዶ ዝነበረት ናይ ኒዩክለር ፈተነታት ክተወንዝፎ ከምዝኾነ ገሊጹ። እቲ ብኪም ዝተወስደ ስጉምቲ ድማ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ብኣወንታ ጠሚተንኦ።
ሎሚ እንታይ ክግበር ኢዩ?
ኩሉ ዝካየድ ስርሓት ብመደብ ኢዩ ዝካየድ። ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝህሉ ስነስርዓት ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ከም ምልክት ``ሰላምን ብልጽግናን`` ተኽሊ ጽሕዲ ክተኽሉ ኢዮም።
ኪም ምስ ሓብቱን ካልኦት ትሽዓተ ሰበ-ስልጣናትን ኣብቲ ጽምብል ክካፈሉ ኢዮም።