ሰራዊት መንግስቲ ሊብያ ስትራተጂካዊት ከተማ ጋርያን ተቖጻጺሩ

ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስተቲ ሊብያ፡ ድሕሪ ጽዕጽዕ ኵናት ንስተራተጂካዊት ከተማ ጋርያን ዳግም ከም ዝተቖጻጸራ ሓቢሩ።

እቶመ ብጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ዝምርሑ ተቃወምቲ ሓይልታት ናብ ትሪቡሊ ኸጥቕዑ፡ ንጋርያን፡ ከም ቀንዲ መዓስከር'ዮም ዝጥቐሙላ ነይሮም።

ምትሓዝ ከተማ ጋርያን ብወገን ጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ክሳብ ሕጂ መግለጺ ኣይተውሃበሉን ኣሎ።

ሊብያ፡ መራሒኣ ዝነበረ መሓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ተቐቲሉ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ብኵናት ሕድሕድ ኣብ ምሕማስ'ያ ትርከብ።

ብጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ዝመራሕ ተቃዋሚ ሓይሊ፡ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ዘሎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፋየዝ ኣል ሴራ ዘምራሕ መንግስቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝጅመር ብዓሰርተታት ዝኾኑ ልብያውያን ሞይቶም እዮም።

እዛ ኣብ ደቡብ ትሪፖሊ እትርከብ ከተማ ጋርያን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ እያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እዞም ተቃወምቲ ሓይልታት ኣትያ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሮይተርስ ከም ዝሓበርዎ፡ ሰራዊት መንግስቲ ሊብያ ብኣየር ዝተሰነየ ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው'ዩ ነዛ ከማ ብሮቡዕ ተቖጻጺርዋ።

ኣብ ማሕበረዊ መራኸቢታት'ውን ሰራዊት ሊብያ ናብ ከተማ ጋርያን ኣናኣተዉ ዘርኢ ስእሊ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሊብያ ንኤኤፍፒ ከም ዝሓብሮ፡ ዳግማይ ምቁጽጻር ከተማ ጋርያን፡ ጸላዊ ዓወት'ዩ ብምባል፡ ምውዳቕን ምብትታንን ጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ዘአንፍት'ዩ ኢሉ።

ጀነራል ካሊፍ ሃፍታር፡ ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዓሪዱ፡ ንሱን ደገፍቱን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ይቃለሱ ከም ዘለዉ'ዩ ዝማጎት።