ብሪጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ተቐቲሉ

ብሪጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትለ ሃገራዊ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ኢቢሲ ሓቢራ።
እቲ ጀነራል፡ ኣብ ባህርዳር ዘንዘሊማ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ብጥይት ከም ዝተወቐዐ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ነቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘወሃሃደ ክሕበር ዝጸነሐ ብርጋደር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ከም ዝተቐትለ ተለቪዥን ክልል ኣምሓራ ገሊጻ።
ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ መን'ዩ?
ብሪጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣብ ወሎ ላስታ ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ ተወሊዱን ዓብዩን።
ናብ ቃልሲ ኣብ ዝተጸንበረሉ፡ መጀመርታ ኣብ ኢህዴን (ኢትዮጵያ ህዝቦች ዴሞክራስያዊ ንቅናቄ) ድሒሩ ኣብ ብኣዴን (ደሞክራስያዊ ምንቅሰቃስ ብሄረ ኣምሓራ) ቅድሚ ምጽንባሩ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ኮሌጅ መምህራን መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ወተሃደራዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ሰሪሑ።
ድሕር'ዚ ናብ ምክልኻል ብምጽንባር ኣብ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተሳቲፉ። ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ወታደራዊ ትምህርቲ ዝወሰደ ኣሳምነው፡ ናይ ብርጋዴር ጀነራል ማዕርግ ብምውሳድ ኣብ ምክልኻል ብሓላፍነት ሰሪሑ።
ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣብ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኮለጅ ላዕለዋይ ጽፍሒ ብምምራሕን ብምምሃርን ውን ኣገልጊሉ። ኣሳምነው ጽጌ ኣብ 2001 (ኣጻጽራ ኢትዮጵያ) ምስ ገለ ወታደራውያን መኮንናት ብምዃን ዕልዋ መንግስቲ ብምውዳቡ ተኣሲሩ ነይሩ።
ብዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ መዓርጉ ተቐንጢጡ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ትሽዓተ ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ማዕርጉ ተመሊስሉ ካብ ማእሰርቲ ብምሕረት ተፈቲሑ።
ድሕረ'ዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት እቲ ኽልል ናይ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሓላፊ ኮይኑ ተሸይሙ።
ኣብቲ ህይወት ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን ዝቐተለ ናይ ቐዳም ፈተነ ዕልዋ፡ ኢድ ከም ዘለዎ ኤዴፓ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







