ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖታት ክኽብር ኣተሓሳሲቡ

ባይቶ ፀጥታ

ምንጪ ስእሊ, STAN HONDA

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ኤርትራ ዝተርኣየ ምዕጻው ማእኸላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሃንደበታውን ዘይሕጋውን ማእሰርቲ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ብምልዓል ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከም ዘስግኣ ገሊጻ።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላር ኤርትራ እትከታተል ፍልይቲ ልእኽቲ እቲ ውድብ፡ ዳኔላ ክራቨትስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ "ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃዋህው ሰላምን ድሕነትን'ኳ እንተመጽአ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ግን ከም ቀደሙ ለውጢ ኣየርኣየን" ኢላ።

ኤርትራ ከም ሓንቲ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝፈረመቶም ዓለምለኻዊ ስምምዓት ክተኽብር ኣለዋ ዝበለት ዳኔላ ክራቨትስ፡ "ትካላት ሃይማኖት ብነጻነት ክሰርሓን፡ ኤርትራውያን ዝመረጹዎ ሃይማኖት ናይ ምስዓብ መሰሎም ክተኽብር ኣለዋ" ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ብ12 ሰነ 2019፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ከም ዝሃገሩ'ዩ ዝግለጽ ማእከላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብመንግስቲ ኤርትራ ይህገራ ኣለዋ

ምንጪታት ካብ ኤርትራ ከም ዝበሉዎ፡ ወተሃደራት ኣብተን ትካላት ጥዕና መጺኦም፡ ሕሙማት ናብ ገዝኦም ወይ ናብ ናይ መንግስቲ ትካል ጥዕና ክኸዱ ይእዝዙ ነይሮም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ ድማ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ገጠራትን ገዳማትን ኤርትራ 40 ሆስፒታላትን ካልኦት ማእኸላት ጥዕናን ትውንን።

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዳኔላ፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብ29 ሚያዚያ ኣብ መላእ ሃገር ዕርቅን ምሕረትን ክወርድ ብጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ምቕራቡ ስዒቡ ዝመጽአ ዓጸፋዊ-ምላሽ'ዩ ኢላ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ጸዊዖም

ብተወሳኺ ብ13 ሰነ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሓሙሽተ ኣቕሽቲ ገዳም ደብረቢዘን ኣሲሮም ዝብል ጸብጻብ በጺሑኒ'ዩ ኢላ መነኮሳት ደብረቢዘን 'ተኣሲሮም'

ዳኔላ ክራቨትስ፡ ዜጋታት ብሰላማዊ መገዲ ሃይማኖታዊ ነጻነቶምን እምነቶም ንከሰጉሙ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ምግሃስ፡ ኤርትራ ዝኣተወቶ ዓላም-ለኸ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ምጥሓስ'ዩ ዝብል ጸቒጣ ዝተዛረበትሉ'ዩ።

እዛ ፍልይቲ ልእኽቲ፡ ኣብ መጻኢ ሓምለ ከልተ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘሰናደአቶ ጸብጻብ ክተቕርብ'ያ።