ጥዕና፡ ኣብ እትስዕልሉ ወይ እትህንጥስሉ ግዜ ካብ ዘለኽሞ ክፍሊ ክትወጽኡ'ዶ ኣለኩም?

እተሀንጥስ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ማእኸል ስራሕ፣ ጸወታ ወይ ጽምዋ ኣብ ዝወጠሮ ግን ድማ እኩብ ሰብ ዘለዎ ከባቢ ኮይንኩም፡ ኣፍንጫኹም ወይ ጉሮሮኹም ኣሳሕይኩም ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሃንጠስክሙሉ፡ ኣብ ክንዲ 'ይምሓርካ/ኪ'፡ 'ረቢሽካኒ/ክና' ተባሂልኩም'ዶ ትፈልጡ?

ኣብ ጎንኹም ናይ ዘሎ ሰብ ጸጥታ ንዘይምዝራግከ፡ ካብ ዘለኹምሉ ብድድ ኢልኩም ብምልጋስ'ዶ ትህንጥሱ ወይ ትስዕሉ?

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ቃለ መሕትት፡ ሓደ ኣሀንጢሱ ዘረብኡ ስለ ዝኾለፎ፡ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ክወጽእ ሓቢሩዎ'ዩ።

ብዙሓት ሰባት'ውን ደጊፎምዎ፤ እቲ ትኽክለኛ ነገር ድኣ እንታይ'ዩ?

ንግዚያዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትራምፕ ማይክ ሙልቫነይ ጉሮርኡ ምስ ጸራረገ "ክትስዕል እንተኾይንካ ካብዚ ክፍሊ ውጻእ" ኢሉዎ ትራምፕ።

"ስቕ ኢልካ ክትስዕል ኣይትኽእልን....ኣብ ሞንጎ ዘረባይ ይስዕል'ሎ። ኣይፈተኹዎን" እውን ኢሉ።

እንተኾነ፡ ትራምፕ ጥራሕ ዘይኮነ ካልኦት ፍሉጣት ሰባት'ውን ኣብ ከባቢኦም ኮይኑ ንዝስዕል ወይ ዘሀንጥስ ሰብ ይድህሉ'ዮም።

ኣሜሪካዊ ተጻዋታይ ነጻ ቕልስ [ሬስሊንግ] ዝነበረ ቪኒስ ማክማሆን፡ ኣብ ጥቕኡ 'ምህንጣስ' ኣይፈቅድን ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ይግለጽ ነይሩ።

ኣብ እዋን መሪሕነት ፕሬዝደንት ኦባማ ሚኒስትር ጥዕናን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ዝነበረ ካትሂሊን ሴቤሉስ ድማ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ብዘይምህንጣሱ፡ እቲ ሚኒስትር ሰብ ብኣግባቡ ከመይ ከሀንጥስ ኣለዎ ዝብል ሓጺር ትምህርቲ ኣብ ሞንጎ መግለጺኡ ሂቡ'ዩ።

ስለዚ፡ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ከባቢ ከመይ ኢልና ኢና ክነህንጥስ ወይ ክንስዕል ዘለና?

Short presentational grey line

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነ ምግባር ዋሽንግተን ክሪስታል ባሌይ፡ "ክተሀንጥስ ወይ ክትስዕል ኣብ እትደልየሉ እዋን፤ ብዝተኽኣለ መጠን ካብ ሰባት ምርሓቕ'ዩ እቲ ዝሓሸ ኣማረጺ" ትብል።

"መንዲል እንተሃልዩና ወይ ናብ ብጉንዶ ኢድካ ኣፍካ ዓቢስካ ምስዓል ወይ ምህንጣስ ከም ዝከኣል ኣረጋግጽ። ገጽካን ኣፍካን ድማ እቶም ሰባት ካብ ዘለውሉ ዘወር ዝበለ ምኻኑ ኣይትዘንግዕ" ኢላ ትምዕድ።

እዚ ክትገብር እንተዘይኽኢልካኸ? ሙሉእ ንሙሉእ ኣፍካ ብኢድካ ዓቢስካ ክትስዕልን ከተሀጥስን ኣለካ ትብል ባሌይ። እዚ እቶም ጀርምታት ናብ ካልእ ከይላብዑ ክከላኸል ይኽእል'ዩ።

ዘሀንጥስ ዘሎ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, ALAMY

ብኸምዚ ኣገባብ ሰባት ከይሓርቁን ከይቕየሙን ዘይትኽእሉሉ ኩነታት ምፍጣር እንተዘይኽኢልኩምከ? "ይቕሬታ" ምባል ከይትዝንግዑ።

ኣብ ኣብያተ ሲነማ ወይ ቲያትር ብተደጋጋሚ ዘሀንጥሰኩምን ዘስዕለኩምን እንተኾይኑ ድማ፡ ካብቲ ኣዳራሽ ለቒቕኹም ምውጻእ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ'ዩ። ሰዓል ኣብ ዝሓመምኩምሉ እዋን ድማ ምስ ኻልኦት ሰባት ሰላምታ እንተዘይትለዋወጡ ይምረጽ።

እዞም መገዲታት ንዘይኽተል ሰብ፡ ወይዘሮ ባሌይ "እቲ ክንገብሮ እንኽእል ነብስኻ ምቁጽጻር ኮይኑ፡ መንዲልን መሐለዊ ጽሬት ኢድን [ሳኒታይዘር] ምጥቃም ግን ፈጺሙ ክዝንጋዕ የብሉን" ትብል።

ቫይረስ ሰዓል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ዋሽንግተን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሃንደበታዊ ሕክምና ዶክተር ተናኘ ሃይለማርያም፡ ምልባዕ ሕማማት ንምክልኻል፡ ተጠቒምና እንድርብዮም ነገራት ጥንቃቐ ክንገብረሎም ይግባእ ይብል።

"ክንህንጥስ ወይ ክንስዕል እንከለና መንዲል ኣገዳሲ ኾይኑ፤ ኩሉ ኣብኡ'ዩ ዝዓርፍ"።

ከም ቫይረስ ንኣሽቱ ተሃዋስያን፡ ብምህንጣስ 1.8 ሜትሮ ርሕቐት ክጉዓዙ ይክእሉ። ስለ ዝኾነ፤ ሓደ ሰብ ከሀንጥስ እንከሎ ናብ ኢዱ ወይ ክፉት ናብ ዝኾነ ገጹ ከሀንጥስ ኣለዎ ትብል ዶክተር ባሌይ።

ዋላ'ኳ ንክትሓምም ኣብ ኣየር ነዊሕ ሰዓት ዝጸንሑ ባክቴሪያታት ምኽንያት እንተኾኑ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን 'ኢድ ምሕጻብ' ግን ግድን ክትለምዱ ኣለኩም ዝብል መእሰሪ ማዕዳ ትልግስ ዶክተር ባሌይ።