ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስትዮ፡ ፊፋ ኣብ ጉዳይ ክፍሊት ይንቀፍ ኣሎ

ኣብ 2015 ንዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝተዓወታት ሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2015 ንዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝተዓወታት ሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ

ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስትዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ህቡብነት እናጥረየ ይኸይድ ኣሎ፤ ኣብዚ ዓመት ከኣ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ተዓዘብቲ ብተሌቪዥን ክዕዘብዎ ትጽቢት ይግበር።

እንተኾነ እተን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ዘለዋ ተጻወትቲ፡ በቲ ፊፋ ንዕውታት ዝስልዖ መጠን ገንዘባዊ ስልማት፡ ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብምውድዳር እንጽርጹረተን የስመዓ ኣለዋ።

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ኮይና ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ሆፕ ሶሎ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዕዉታት ደቂ ተባዕተዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝግበር ፍልልይ ገንዘባዊ ሽልማት፡ ኣብ ውሽጢ ፊፋ "ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ኣድብዩ'ዩ ዘሎ" ኢላ።

ኣዳ ሃገርበርግ ካብ 2017 ጅሚራ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ምጽዋት ከም ዘቋረጸት ሓቢራ ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕውትቲ ባሎን ዲኦር 2017 ኣዳ ሀገርበርግ ካብ 2017 ጅሚራ ብስነኪ ጾታዊ ኣድልዎ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኖርወይ ምጽዋት ከም ዘቋረጸቶ ይፍለጥ።

እቲ ገንዘባዊ ሽልማት ክንደይ'ዩ?

ሎሚ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስተዮ እትዕወት ሃገራዊት ጋንታ 4 ሚልዮን ዶላር ክትሽለም እያ፡ እዚ ከኣ ምስ ናይ 2015 ዝተወሃበ ገንዘባዊ ሽልማት ምስ ዝነጻጸር ብዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

ንኻልኦት ጋንታታት ዝውሃብ ሽልማት ኣብቲ ውድድር ክሳብ ክንደይ ተጓዒዘን ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ካብ 750000 ዶላር ዝጅምር እዩ።

ፊፊ ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት 30 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት ሰሊዑ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተዛዘመ ዋንጫ ዓለም ደቀ ተባዕትዮ ግን 400 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት'ዩ ሂቡ። እዚ ምስዚ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰለዐ ገንዘባዊ ሽልማት ምስ ዝወዳደር ብልዕሊ ዓሰርተ ዕፍፊ ዝዛየደ'ዩ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ዝውሃብ ሽለማት፡ ሃገራዉያን ጋንታትት ንውድድር ዋንጫ ዓለም ንዝገበርኦ ውድድራ ንጋንታታት ደቀ ኣንስተዮ 800 ሽሕ ዶላር ክህብ እንከሎ ንጋንታ ደቂ ተባዕትዮ 1.5 ሚልዮን ዶላር'ዩ ዝህብ።

መግለጺ ቪድዮ, ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስትዮ ቀቀንዱ ንምፍላጥ ኣብዚ ቪድዮ ተዓዘቡ።

እዚ ክብን ለጠቕን ክፍሊታት፡ ምስቲ በቲ ውድድር ዝርከብ ኣታዊታት ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ብዙሑት ይሰማምዑ።

እንተኾነ፡ ፊፋ ካብቶም ብፊፋ ተወዲቦም ዝካየዱ ውድድራት ነቲ ብናይ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ዝርከብ ኣታዊታት በይኑ ፈሊኻ ዝረአ ከም ዘይኮነ እዩ ዝሕብር።

ተጻወትቲ ኩሉ እቲ ዝወሃብ ሽልማት ኣብ ኢዶምዶ ይኣቱ?

ፊፋ እቲ ገንዛባዊ ሽልማት ንውልቀ ተጻወትቲ ዘይኮነ ንሃገራዊ ፈደሬሽናት'ዩ ዘረክቦ፡ ሃገራዊ ፈደሬሽን ከኣ ንውልቀ ተጻወት ድዩ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ ውሳኔኡ ይኸውን።

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ደቀ ኣንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ካብ ዝውሃበን ሽልማት 30 ሚእታዊት ጥራይ ክጎድለን ምስ ሃገራዊ ፈደሬሽን እታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ይገልጻ።

ኣብ ጉዳይ ክፍሊትን ምስ ሃገራውያን ፈደሬሽናት ዘለወን ስምምዓትን ኣብ ዝተወከስናሉ ሓሳበን ክህባ ፍቓደኛታት ኣይኮናን።

ታሪክ ኩዕሶ እግሪ ደቀ ኣንስትዮ ዝጸሓፈት ኣሜሪካዊት ካይትሊን ሙራይ፡ "በዚ ኢልካ በቲ ንደቂ ኣንስተዮ ዝውሃብ ገንዘባዊ ሽልማት ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣነጺርካ ምስ ዝረአ ኣዝኡ ትሑት እዩ፡ ስለ ዝኸነ ከኣ እተን ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ምወላ፡ ካብ ክለበን ዝውሃበን ሸልማት ክምርኮሳ ይግደዳ ኣለዋ" ትብል።

ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ሜጋን ራፕዮነ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ሜጋን ራፕዮነ

ብመሰረት ጸብጻብ ዓለማዊ ማሕበር ተጻወትቲ፡ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝጻወታ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጋንትአን መዓልታዊ ካብ 1000-2000 ዩሮ ክኸፍላ እንከለዋ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንትአን ኣብ ዝጻወታሉ እዋን ከኣ 50-100 ዩሮ ኣበል ከም ዝውሃበን'ዩ ዝሕብር።

ኣብ ድካታት ሃገራት ዝርከቡ ተጻወትቲ ከኣ ካብዚ ተጠቂሱ ዘሎ መጠን ገንዘብ ዝተሓተ ከም ዝኽፈሉ ጸብጻት ይሕብሩ።

ኣብ ሞንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ፍልልይ ናይ ገንዘባዊ ሽልማት ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎ እትሕብር ካይትሊን ሙረይ፡ ኣብዚ ሎሚ ኣመት ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ገንዘባዊ ሽልማት ካብ ናይ 2015 ብዕጽፊ ምዝያዱ ኣወንታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ትሕብር።

ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ፊፋ ኣብ ምምዕባል ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝውዕል ካብ 400 ክሳብ 500 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከም ዝገብር ሓቢሩ'ሎ።

England star Fran Kirby ተጻዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ፍራን ኪርቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተጻዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ፍራን ኪርቢ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ማዕረ ክፍሊት ምዝራባ ነዛ ዋንጫ ኣብ ምዕዋት ኣቶኪራ ክትሰርሕ ከም እትመርጽ ትዛረብ

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ንኽፍሊት ኣመልኪተን ንሃገራዊት ፌዴሬሽን እታ ሃገር ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪበንኦ ኣለዋ።

ተጻወትቲ ኣውትራልያ'ውን ፊፋ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝህቦ ገንዘባዊ ሽልማት ማዕረ ክገብሮ ጸዊዐን ኣለዋ።

ተጻወትቲ ናይጀርያ ብወገነን፡ ኣብ 2016 ንዋንጫ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምዕዋተን ንጉዳይ ክፍሊተን ምላሽ ከይረኸባሉ ካብቲ ዝነበረኦ ሆቴል ኣይንወጽእን ብምባል ኣዲመን ነይረን እየን።

ተጻወትቲ ኒውዝላንድ፡ ንሃገራውያን ጋንታ ኣብ ዝውክላሉ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክኽፈላ ዝሓተተኦ ሕቶ ኣብ 2018 እወንታዊ ምላሽ ረኺበናሉ። ተጻወትቲ ኖርወይ'ውን ካብ 2017 ጂሚረን ንሃገራዊት ጋንትአን ኣብ ዝውክላሉ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ እየን ዝኽፈላ ዘለዋ።