ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስትዮ፡ ፊፋ ኣብ ጉዳይ ክፍሊት ይንቀፍ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስትዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ህቡብነት እናጥረየ ይኸይድ ኣሎ፤ ኣብዚ ዓመት ከኣ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ተዓዘብቲ ብተሌቪዥን ክዕዘብዎ ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ እተን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ዘለዋ ተጻወትቲ፡ በቲ ፊፋ ንዕውታት ዝስልዖ መጠን ገንዘባዊ ስልማት፡ ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብምውድዳር እንጽርጹረተን የስመዓ ኣለዋ።
ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ኮይና ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ሆፕ ሶሎ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዕዉታት ደቂ ተባዕተዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝግበር ፍልልይ ገንዘባዊ ሽልማት፡ ኣብ ውሽጢ ፊፋ "ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ኣድብዩ'ዩ ዘሎ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ገንዘባዊ ሽልማት ክንደይ'ዩ?
ሎሚ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስተዮ እትዕወት ሃገራዊት ጋንታ 4 ሚልዮን ዶላር ክትሽለም እያ፡ እዚ ከኣ ምስ ናይ 2015 ዝተወሃበ ገንዘባዊ ሽልማት ምስ ዝነጻጸር ብዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
ንኻልኦት ጋንታታት ዝውሃብ ሽልማት ኣብቲ ውድድር ክሳብ ክንደይ ተጓዒዘን ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ካብ 750000 ዶላር ዝጅምር እዩ።
ፊፊ ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት 30 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት ሰሊዑ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተዛዘመ ዋንጫ ዓለም ደቀ ተባዕትዮ ግን 400 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት'ዩ ሂቡ። እዚ ምስዚ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰለዐ ገንዘባዊ ሽልማት ምስ ዝወዳደር ብልዕሊ ዓሰርተ ዕፍፊ ዝዛየደ'ዩ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ዝውሃብ ሽለማት፡ ሃገራዉያን ጋንታትት ንውድድር ዋንጫ ዓለም ንዝገበርኦ ውድድራ ንጋንታታት ደቀ ኣንስተዮ 800 ሽሕ ዶላር ክህብ እንከሎ ንጋንታ ደቂ ተባዕትዮ 1.5 ሚልዮን ዶላር'ዩ ዝህብ።
እዚ ክብን ለጠቕን ክፍሊታት፡ ምስቲ በቲ ውድድር ዝርከብ ኣታዊታት ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ብዙሑት ይሰማምዑ።
እንተኾነ፡ ፊፋ ካብቶም ብፊፋ ተወዲቦም ዝካየዱ ውድድራት ነቲ ብናይ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ዝርከብ ኣታዊታት በይኑ ፈሊኻ ዝረአ ከም ዘይኮነ እዩ ዝሕብር።
ተጻወትቲ ኩሉ እቲ ዝወሃብ ሽልማት ኣብ ኢዶምዶ ይኣቱ?
ፊፋ እቲ ገንዛባዊ ሽልማት ንውልቀ ተጻወትቲ ዘይኮነ ንሃገራዊ ፈደሬሽናት'ዩ ዘረክቦ፡ ሃገራዊ ፈደሬሽን ከኣ ንውልቀ ተጻወት ድዩ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ ውሳኔኡ ይኸውን።
ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ደቀ ኣንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ካብ ዝውሃበን ሽልማት 30 ሚእታዊት ጥራይ ክጎድለን ምስ ሃገራዊ ፈደሬሽን እታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ይገልጻ።
ኣብ ጉዳይ ክፍሊትን ምስ ሃገራውያን ፈደሬሽናት ዘለወን ስምምዓትን ኣብ ዝተወከስናሉ ሓሳበን ክህባ ፍቓደኛታት ኣይኮናን።
ታሪክ ኩዕሶ እግሪ ደቀ ኣንስትዮ ዝጸሓፈት ኣሜሪካዊት ካይትሊን ሙራይ፡ "በዚ ኢልካ በቲ ንደቂ ኣንስተዮ ዝውሃብ ገንዘባዊ ሽልማት ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣነጺርካ ምስ ዝረአ ኣዝኡ ትሑት እዩ፡ ስለ ዝኸነ ከኣ እተን ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ምወላ፡ ካብ ክለበን ዝውሃበን ሸልማት ክምርኮሳ ይግደዳ ኣለዋ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ጸብጻብ ዓለማዊ ማሕበር ተጻወትቲ፡ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝጻወታ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጋንትአን መዓልታዊ ካብ 1000-2000 ዩሮ ክኸፍላ እንከለዋ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንትአን ኣብ ዝጻወታሉ እዋን ከኣ 50-100 ዩሮ ኣበል ከም ዝውሃበን'ዩ ዝሕብር።
ኣብ ድካታት ሃገራት ዝርከቡ ተጻወትቲ ከኣ ካብዚ ተጠቂሱ ዘሎ መጠን ገንዘብ ዝተሓተ ከም ዝኽፈሉ ጸብጻት ይሕብሩ።
ኣብ ሞንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ፍልልይ ናይ ገንዘባዊ ሽልማት ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎ እትሕብር ካይትሊን ሙረይ፡ ኣብዚ ሎሚ ኣመት ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ገንዘባዊ ሽልማት ካብ ናይ 2015 ብዕጽፊ ምዝያዱ ኣወንታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ትሕብር።
ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ፊፋ ኣብ ምምዕባል ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝውዕል ካብ 400 ክሳብ 500 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከም ዝገብር ሓቢሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ንኽፍሊት ኣመልኪተን ንሃገራዊት ፌዴሬሽን እታ ሃገር ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪበንኦ ኣለዋ።
ተጻወትቲ ኣውትራልያ'ውን ፊፋ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝህቦ ገንዘባዊ ሽልማት ማዕረ ክገብሮ ጸዊዐን ኣለዋ።
ተጻወትቲ ናይጀርያ ብወገነን፡ ኣብ 2016 ንዋንጫ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምዕዋተን ንጉዳይ ክፍሊተን ምላሽ ከይረኸባሉ ካብቲ ዝነበረኦ ሆቴል ኣይንወጽእን ብምባል ኣዲመን ነይረን እየን።
ተጻወትቲ ኒውዝላንድ፡ ንሃገራውያን ጋንታ ኣብ ዝውክላሉ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክኽፈላ ዝሓተተኦ ሕቶ ኣብ 2018 እወንታዊ ምላሽ ረኺበናሉ። ተጻወትቲ ኖርወይ'ውን ካብ 2017 ጂሚረን ንሃገራዊት ጋንትአን ኣብ ዝውክላሉ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ እየን ዝኽፈላ ዘለዋ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







