ኤርትራ፡ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ትሕቲ 15 ከተአንግድ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፈሪቃ ትሕቲ 15 ዓመት ከተኣንግድ ምዃና ፕረዚደንት ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሰይያስ ኣብርሃም ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ።
ኣቶ ኢሰይያስ ኣብርሃም፡ እዚ ውድድር ካብ 17 ነሃሰ ክሳብ 1 መስከረም 2019 ክካየደ ምዃኑን፡ ኩለን ሃገራት ኣባላት ሴካፋ ንክሳተፈኦ ብመገዲ ሴካፋ ዕድመ ከም ዝቀረበልንን፡ ሓቢሩ።
ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ንመጀመርታ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኤርትራ ነዚ ቦኽሪ ውድድር ከተአንግድ ዕድል ረኺባ ኣላ።
"ኤርትራ፡ ኣብ ዞባና ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁው መሰረት ገይራ'ያ ነዚ ውድድር ተኣንግዶ ዘላ" ዝበለ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም፡ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ይካየድ ምህላዉን ኣብ ኤርትራ ይፍልም ብምህላዉ 'ታሪኻዊ'ዩ" ኢሉ።
"እዞም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ 'ግራስ ሩት' ዝነቐሉ እዮም" ዝበለ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም፡ ኤርትራ ካብ 2012 ጀሚራ ኣብ ኩሉ ዞባታት ናይ 'ግራስ ሩት' መደባት ተካይድ ምጽንሓ ገሊጹ።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ካብ ዝተፈላለየ ውድድት ኩዕሶ እግሪ ተገሊላ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም፡ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ግዜ ሰላምን ምዕባለን ምቹእ ግዜን ዝካየድ ንጥፈት ምዃኑ ብምሕባር ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሉ 'እገዳን ሽርሕታትን' ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተሓጺሩ ብጽቡቕ ደረጃ ክካየድ ምጽንሑ ሓቢሩ።
ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም፡ "ድሕሪ ሕጂ ደረጃ ብደረጃ ወጺኻ ኬድካ ናይ ምጽዋት'ውን ዕድል ክህሉ'ዩ" ኢሉ።
ፕርዚደንት ሴካፋ ኒኮላስ ሙሰንየ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሓላፊ ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ፕረዚደንት ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃምን ከም ዝተራኸበ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ውድድር ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ንሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ብሩንዲ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ርዋንዳ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ኡጓንዳን ዛንዚባርን ዝሓቑፍ ማሕበር ሃገራት እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







