ሞ-ሳላሕ ንሊቨርፑል ምፍራሙ፡ ኣብታ ከተማ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ነክዩ

መሓመድ ሳላህ

ምንጪ ስእሊ, David Blunsden

መሓመድ ሳላሕ ንሊቨርፑል ምስ ፈረመ፡ ኣብ ከተማ ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝነበረ ጽልኢ ከም ዝነከየ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ፡ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ መሓመድ ሳላሕ ንኵዕሶ እግሪ ሊቨርፑል ምፍራሙ፡ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ጽልኢ እስላም ብቐጥታ ክንኪ ገይሩ'ዩ ይብል።

ሳላሕ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንሊቨርፑል ምስ ፈረመ፡ ኣብ ከተማ ሊቨርፑል ዝፍጸሙ ዝነበሩ ገበናት ጽልኢ እስላም ብ18.9 ሚኢታዊት ነክዮም።

ፍሉጣት ውልቀሰባት ምፍላጥን ምንኣድን፡ ዕሙት ጽልኢ ክንኪ ይኽእል'ዶ? መሓመድ ሳላሕ ባህሪ ጽልኢ ኣስላምን ኣረኣእያን ኣብ ምቕያር ዘለዎ ጽልዋ እንታይ ይመስል? ብዝብል ኣርእስቲ'ዩ መጽናዕቲ ተኻይዱ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ጽልኢ መሰረት ዝገበረ ገበናትን 15 ሚሊዮን መልእኽታት ትዊተርን ኣብቲ መጽናዕቲ ተተንቲኖም'ዮም።

እቲ መጽናዕቲ፡ ጋንታ ሊቨርፑል ኣብ ዝርከበሉ ግዝኣት ኣስላም ዝጸልኡ ገበናት ካብ ምንካዮም ብተወሳኺ፡ ጸረ ኣስላም ዝኾነ ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽታት ትዊተር ደገፍቲ ሊቨርፑል ብፍርቂ ነክዮም'ዮም ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, መሓመድ ሳላሕ - ሊቨርፑልን ግብጽን