ባሎንዶር፡ ሉካ ሞድሪች ዓብላልነት ሜሲን ክሪስቲያኖ ሮናልዶን ኣኽቲሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣከፋፋሊ ሪያል ማድሪድን ሃገራዊት ጋንታ ክሮሺያን ሉካ ሞድሪች፡ ናይ 2018 ሽልማት ባሎንዶር ብምስዓር፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት እዚ ሽልማት ተቖጻጺሮም ካብ ዝጸንሑ ተጻወትቲ ሊዮኔል ሜሲን ክሪስቲያኖ ሮናልዶን ወጸእ ፈላማይ ኾይኑ።
ወዲ 33 ዓመት ሞድሪች፡ ኣብ ቻምፒዮንሲ ሊግ ንሳልሳይ ግዝኡ እንትስዕር፡ ክሮሺያ'ውን ኣብ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ እዋን ንፍጻሜ ክትበቅዕ ገይሩ'ዩ።
ካብ ሜሲ ወጻእ ኣብ 2007 እዚ ሽልማት ዝወሰደ ናይ መወዳእታ ተጻዋቲ፡ ኣጥቃዒ ብራዚልን ኤስ ሚላንን ነበር ካካ'ዩ ነይሩ።
ካብ ሪያል ማድሪድ ናብ ጁቬንቱስ ዝተጸምበረ ሮናልዶ ድማ ካልኣይ።
ሞድሪች ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ እቲ ሽልማት ብዓብላልነት ሜሲን ሮናልዶን ን10 ዓመት ተባሒቱ ዝጸንሐ እዚ ሽልማት ንዝሰኣኑ ኩሎም ተጻወትቲ የበርክት ኢሉ።
"ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ከም ዣቪ፣ ኣንድሬስ ኢነስታ ዝበሉ ተጻወትቲ ባሎንዶር ይዕወቱ ነይሮም ክኸውን ይኽእል። ሕዚ ግን ካልእ ሰብ ከም ዘሎ ምርኣይ ጀሚሩ'ሎ" እውን ኢሉ ሞድሪች።
"እዚ ሽልማት ንኩሎም ክዕወቱ ዝግብኦምን ዘይተዓወቱን'ዩ። ንዓይ ድማ ፍሉይ ዓመት ነይሩ። ስምዒተይ ብቃላት ክገልጾ ኣዝዩ'ዩ ዘጸግመኒ። እዚ ንዓይ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር'ዩ"።
ሞድሪች፡ ሮናልዶን ሜሲን "ፍሉያት ተጻወትቲ'ዮም" ክብል ገሊጹዎም። "ንክትስዕር ኣብዚ ዓመት ሓደ ፍሉይ ነገር ክትገብር ኣለካ ማለት'ዩ፤ ነዚ'የ እዚ ዓመት ንዓይ ፍሉይ ነይሩ ዝበልኩ"።

ብሉጻት 10
1. ሉካ ሞድሪች (ሪያል ማድሪድን ክሮሺያን)
2. ክሪስቲያኖ ሮናልዶ (ጁቬንቱስን ፖርቹጋልን)
3. አኣንቶኔ ግሬዝማን (ኣትሌቲኮ ማድሪድን ፈረንሳን)
4. ክሊያን ማፔ (ፓሪስ ሴንት ጀርመንን ፈረንሳን)
5. ሊዮኔል ሜሲ (ባርሴሎናን ኣርጀንቲናን)
6. ሞሓመድ ሳላሕ (ሊቨርፑልን ግብጽን)
7. ፓፋኤል ቫራን (ሪያል ማድሪድን ፈረንሳን)
8. ኤደን ሃዛርድ (ቼልሲን ቤልጅምን)
9. ኬቨን ዴ ቡርያን (ማንችስተር ሲቲን ቤልጅምን)
10. ሃሪ ኬን (ቶቶንሃምን ኢንግሊዝን)
ባሎንዶር እንታይ'ዩ?
ባሎንዶር፡ ካብ 1956 ጀሚሩ በብዓመቱ ብኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ዝብርከት ሽልማት ኮይኑ፡ ኢንግሊዛዊ ስታንሌይ ማቲው ፈላማይ ተዓዋቲ ነይሩ።
ክሳብ 1995 ንኤውሮጳውያን ተጻወትቲ ዝወሃብ ዝነበረ ኾይኑ፡ ካብ 2007 ናብዚ ግን ንኹሎም ኣብ ክለባት ኤውሮጳ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ክፉት ኮይኑ።
30 ሕጹያት ብኤዲቶሪያን መጽሄር ፈረንሳ ዝሕረዩ እንትኸን፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዘለው ጋዜጠኛታት ይሕረ። ሓደ ጋዜጠኛ ንሓንቲ ሃገር ድማ ይውክል።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







