ሩሲያ፡ 23 ሜትሮ ቁመቱ ሓጺናዊ ድልድል ተሰሪቑ

ኣብ ሩሲያ ዝተሰረቐ ድልድል

ምንጪ ስእሊ, Life Novosti

ኣብ ሩሲያ፡ መርማንክስ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ግዝኣት ኣርክቲክ፡ ሓደ ሃዲድ ባቡር ተዘርጊሑሉ ዝነበረ ድልድል ሓጺን ስለ ዝተሰረቐ መርመራ ክጅመር'ዩ።

ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ከም ዝበሎ፡ 23 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ 56 ቶን ዝምዘን ሓጺናዊ ድልድል ብዘይተፈልጡ ሰባት ተሰሪቑ።

እዚ ብዙሕ ኣገልግሎት ኣይህብን ነይሩ ዝተብሃለ ድልድል ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት 170 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ብኣግራብ ዝተሸፈ ቦታ ከም ዝርከብ ጋዜጣ እቲ ኸባቢ ጸብጺቡ።

እቲ ተነቒሉ ዝተወሰደ ድልድል፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝካየድ ዝነበረ ዕደና ፍሉይ መዓድን ዘጉዓዕዛ ባቡራት ዝሓልፋሉ ዝነበራ ኾይኑ፡ እቲ መፍረዪ መዓድን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኸሲሩ ስለ ዝተዓጽወ፡ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣብቲ ከባቢ ኣይርኣይን ነይሩ።

ነበርቲ እቲ ኸባቢ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት'ዮም፡ እቲ ድልድል ኣብ ቦትኡ ከም ዘየለ ዝፈለጡ ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ስእሊታት፡ ቐንዲ ክፋል እቲ ድልድል ኣብ ቦትኡ ከም ዘየለ እዮም ዘርእዩ። ዝተወሰነ ኽፋሉ ድማ፡ ኣብ ባሕሪ ይርኣይ።

እዚ ስርቂ ዘስዓቦ ጉድኣት ካብ ትሰዓተ ሽሕ ዶላር ከም ዘይዛይድ ብምግላጽ፡ ክሳርኡ ትሑት'ዩ ይብሉ ጸብጻባት።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ 10 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ጸረ ሚሳይል ዘመን ሶቭየት ምስ ዝወደቑ ሓጺነ መጺን ተሸይጡ፡ ኣብ ውሽጢ መምከኺ ሓጺን ምንታጉ ይዝከር።