ቻይና፡ ፍጻመ ቲያናንመን 1989 ኣብ ሆንግ ኮንግ ብሽምዓ ተዘኪሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሆንግ ኮንግ፡ ንመበል 30 ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ርእሰከተማ ቤዥንግ፡ ሜዳ ቲያናንመን፡ ሓይልታት ጸጥታ ቻይና ኣብ ልዕሊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ዜጋታት ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ዘኪሮም።
እቲ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ፡ ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝጸንሐት ከተማ ሆንግ ኮንግን፡ ኣብታ ምስ ፓርቱጋል ዝነበረት ከተማ ማካውን ጥራይ'ዩ ብናጽነት ክካየድ ዝኽእል።
ዋላ'ኳ ቻይና ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ፍጻመ ዝተቐትሉ ሰባት ክሳብ ሕጂ ብወግዒ እንተ ዘይገለጸት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከም ዝኾኑ ይንገር።
ኣብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ሆንግ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ምሸት፡ ኣስታት 180,000 ሰባት ከም ዝተሳተፍዎ ተፈሊጡ። ፓሊስ ግና፡ ቁጽሪ ናይቶም ተሳተፍቲ 40,000 እዩ ኢሎም።
ኣብ ካልእ ከባቢታት ቻይና ግን፡ ነቲ ፍጻመ ዝትንከፍ ነገር'ውን ከይወጽእ ከም ዝተኣገደ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብታ ካብ ሆንግ ኮንግ ኣስታት 70 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ማካው'ውን ተዘኪሩ ውዒሉ።
ኣብ ቲያናንመን እታይ'ዩ ተፈጺሙ
ኣብ ሚያዝያ 1989፡ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝኾኑ ቻይናውያን ንሜዳ ቲያናንመን ብምቁጽጻር ንሰሙናት ዝቐጸለ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣካዪዶም።
ኣብቲ ተቓውሞ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተሳተፍዎምን፡ ኣብ ታሪኽ ዴሳዊት ቻይና እቲ ዝዓበየ ናይቲ ቓውሞ ሰልፊ'ዩ ነይሩ። ንሽዱሽተ ሳምንቲ ድማ ቀጺሉ።
ብ3 ሰነ ግና፡ ብታንክታት ዝተዓጀበ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቅርዓት ቲያናንመንን ከባቢኡን ዝበሩ ብረት ዘይነበሮም ሰልፈኛታት ጥይት ብምትኳስ ብዙሓት ሰባት ቀቲሎምን ኣቑሲሎምን።
ብድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ሰብመዚ ዋላሓደ ሰብ ኣብቲ ቅርዓት ከም ዘይተቐትለ ገሊጾም። ይኹን 'ምበር፡ ካብ ሒደት ኣማኢት ክሳብ ሓያሎ ኣማኢት ከም ዝተቐትሉ ይግመት።
ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና፡ወይ ፈንገ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ኣብ ሲንጋፓር ዝተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ብዘይተለምደ ኣገባብ ተዛሪቡ ነይሩ።
"እቲ ፍጻመ ፓለቲካዊ ነውጺ'ዩ ነይሩ፡ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ነውጺ ደው ንምባል ቅኑዕ ዝኾነ ስጉምቲ ወሲዱ" ክብል ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንዝቐረበሉ ሕቶ መሊሱ።
ብሰንኪ'ቲ ስተወስደ ስጉምቲ ድማ፡ ቻይና ካብኡ ንደሓር "ምርግጋእን ምዕባለን ክትጎናጸፍ ኪኢላ" ክብል'ውን ወሲኹ።
ኣመሪካ እትርከበን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ምስቲ ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ንቻይና ክነቕፍኣ ከም ዝጸንሓን፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፓምፐዮ፡ ቻይና ቁጽሪ ግዳያት ቲያናንመን ብወግዒ ክትገልጽ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ሰባዊ መሰላትን ሓርነታት ዜጋታታን ንዘለዋ ኣተሓሕዛ ነቒፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







