ኣብ ሰሜን ሸዋ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ሰባት ምጥፍኡን ንብረት ምዕናዉን ተፈሊጡ

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ፡ ወረዳ ኤፍራታን ግድምን፡ ብቀዳምን ሰንበትን ብዘጋጠሙ ጎንፅታት፡ ብውሑድ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት'ውን ዕንወት ከም ዘጋጠመ ተገሊፁ።

ከንቲባ ከተማ ኣጣዬ ኣቶ ጌታቸው በቀለ ንመራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ከም ዝገለፆ፡ ኣብ መዛዘሚ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዝተወለዐ ጎንፂ ህይወት ትሸዓተ ሰባት ክጠፍእ ከሎ፡ ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።

እቲ ጎንፂ ዕጡቓት ከም ዝተሳተፉሉን ዘመተ ንብረት ከም ዝተፈፀመን ዝሓበረ እቲ ከንቲባ፡ እቲ ጎንፂ ካብ ዓቕሚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ንላዕሊ ብምንባሩ፡ ሰራዊት ምክልኻል ከም ዝተዋፈረ ኣመልኪቱ።

ብዛይካ ኣብ ኣጣዬ ዘጋጠመ ጎንፂ፡ ኣብ ካራቆሬን ማጀቴን ኣብ ዘለዉ ከባብታት'ውን ከም ዘጋጠመን ዝተወደቡ ዕጡቓት ከም ዝተሳተፉሉን ነበርቲ ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ሰባት ካብ ዝበፅሐ ጉድኣት ብተወሳኺ፡ "ኣብ ኣብያተ እምነት፣ መንበሪ ገዛ ውልቀ-ሰባትን ትካላት ንግድን" መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ፡ መራኸቢ ብዙሃን ኣምሓራ ንነበርቲ ብምፅራሕ ፀብፂባ።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ኮሎኔል ኣለበል ኣማረ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሓይልታት ፀጥታ ናብቲ ከባቢ ብምእታዎም፡ ምርግጋእ ተራእዩ'ሎ።

ብዝተወደበ ኩነታት ተዓጢቖም ሰላም ህዝቢ ይዘርጉ ዘለዉ ኣካላት ንምቁፅፃር ይስራሕ ከም ዘሎ'ውን እቲ ምኽትል ወሲኹ ሓቢሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ኣምባቸው መኮነን፡ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብቲ ክልል ብዝተፈጠሩ ጎንፅታት ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ንብረት ምዕናዉን ከም ዘሕዘሎ ኣፍሊጡ።

መንቀሊ እቲ ጎንፅን ፈፀምቲ ገበንን ብዝምልከት ምጭራይ ምስ ተገበረ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ክግብር'ዩ ኢሉ።