ቅልውላው ሊብያ፡ ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ ብዝተወለዐ ኲናት 21 ሰባት ሞይቶም

ወተሃደራት ሊብያ ናሽናል ኣርሚ (ኤል ኤን ኤ)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ኣብቲ ንትሪፖሊ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ኲናት 21 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 27 ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጡ።

ፀሓፊ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ፡ እቲ ኲናት ደው ክብልን ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ንኽእቶን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር ዝምርሑ ዓመፅቲ ሓይልታት፡ ንከተማ ትሪፖሊ ክቆፃፀሩ ብኣንፈት ምብራቕ ደፊኦም'ዮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ፋየዝ ኣል-ሰራጅ፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከካይድ ፈቲኑ ክብል ነቲ ጀነራል ከሲሱ።

ካብ ሞንጎ'ቶም ዝተቐተሉ ሓደ ናይ ቀይሕ ወርሒ ዶክተር ኮይኑ፡ ጀነራል ሃፍጣር ብወገኑ 14 ዕጡቓቱ ከም ዝስኣነ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኲናት ንሓፂር ግዘ ደው ክብል'ሞ ቁሱላትን ሲቪል ዜጋታትን ክወፅኡ ክግበር ፃውዒት'ኳ እንተቕረበ፤ እቲ ኲናት ግን ቀፂሉ እዩ።

ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ "በቲ ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ ዘሎ ኲናት ከም ዝተሻቐሉ" ብምሕባር፡ ቅልጡፍ ዘተ ክካየድ ፀዊዑ።

"እዚ ትሪፖሊ ንምቁፅፃር ዝግበር ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ንድሕነት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን፡ ንዝሓሸ መፃኢ ሊብያ ዝጎስይን'ዩ" ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

ዓለማዊ ትካላት፡ ኩነታት እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይሰጋገር ብምስጋእ ሰራሕተኛታተን ከውፅኣ ጀሚረን ኣለዋ።

ሊብያ፡ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሐ ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣኑ ብሓይሊ ተኣልዩ ካብ ዝቕተል ጀሚሩ፡ ብዓመፅን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ክትጉሰ ፀኒሓ'ያ።