መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓዲሽ ጽርግያ ይህነጽ ኣሎ

ማሽነሪ ኣብ ምስራሕ ሓዲሽ ጽርግያ

ምንጪ ስእሊ, ሓዳስ ኤርትራ

መግለጺ ስእሊ, ማሽነሪ ኣብ ምስራሕ ሓዲሽ ጽርግያ

ካብ ዓዲ ዃላ ናብ እንዳገርግስ ዝወስድ ሓዲሽ ጽርግያ ብኩባንያ ብድሆ ሓፊሻዊ ህንጸት ይስራሕ ኣሎ።

እዚ ሓዲሽ ጽርግያ ካብ ዓዲ ዃላ ተበጊሱ ብማይመጨቓትን እንዳ ባሕሽን ኣቢሉ ናብ እግሪ ጽርግያ ዓዲ ኮቶዮ ዝሕወስ ምኻኑ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ቁጽሪ 170 ዝወጸ ዜና የረድእ።

እዚ ሕጂ ዝስራሕ ዘሎ ጽርግያ 20 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ 8.8 ኪሎሜትር ርሕቀት ዝሽፍን እዩ።

ጽርግያ ዓዲኮቶዮ ተሪር ዓቐበትን ጸቢብን ብምኻኑ ንዓበይቲ መካይን ኣሸጋሪ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

እዚ መስመር እዚ ብመረብ ምስ ራማ ዘራኽብ ኮይኑ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ብወግዒ ከም ዝተዓጸወ ይዝከር።

እዚ መስመር፡ ቅዲሚ ምጅማር ኵናት ኢትዮ ኤርትራ፡ ብመገዲ እንዳገርግስ- ክሳድዒቓ ኣቢሉ ናብ ራማ ዘራኽብ ምስ ምዃኑ ኣብ ንግዳዊ ርክባት ክልትአን ሃገራት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮ መስመር እዩ።

ሓደ ተቀማጢ ዓዲኳላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል መሕተት፡ እዚ ጽርግያ እዚ፡ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዘራኽብ ዝሓጸረ መስመር ኮይኑ፡ ቅደሚ ኵናት ምጅማሩ ዓቢ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝካየደሉ ዝነበረ መስመር እዩ።

"እዛ ንሓንሳብ ዝተኸፈተት ዶብ እኳ ነዚ ቦታ እንታይ ዓይነት ትንፋስ ዘሪኣትሉ ነይራ ህያው ምስክር'ዩ" ኢሉ።

እዚ ተቀማጣ ዓዲ ኳላ "ግደ ሓቂ መስመር ክዳድ ዒቓ ብፍላይ ከባቢ ዓዲኮተዮ ዓበይቲ መካይን ክሓልፈኦ ዘሰክፍ መገዲ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ጥውያዋይ ምኳኑ ጽበት'ውን ስለ ዘለዎ ከብድኻ ሓቒፍካ ኢኻ ትሓልፎ" ኢሉ።

ብምስዓብ "በዚ ዝስራሕ ዘሎ ሓዲሽ ጽርግያ ነባሪ እዚ ከባቢ ሓጎሱ ወሰን የብሉን፡ መርኣያ ናይዚ'ዩ ከኣ ነዞም ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ብማይን እኽልን ዘአንገዶም ዘሎ" ኢሉ

መግለጺ ቪድዮ, 'ዓዲ ዃላ ውዒለ እንክምለስ ራማ' ወዲ ዎንግ