እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታንዛንያ፡ ዘይተገዝሩ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ክኽንሸቡ ሓንቲ ኣባል ባይቶ ጸዊዓ
ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ታንዛንያ ግዙራት ምዃኖም ንምርግጋጽ ክፍተሹ ሓንቲ ኣባል ባይቶ ብጸይቶም እማመ ኣቕሪባ።
እታ ጃክሊን ንጎንያኒ ዝተባህለት ኣባል ባይቶ፡ ደቂተባዕትዮ ብጾታ ከይተገዝሩ እንተጸኒሖም ከም ዝኽንሸቡ ክግበር ኣለዎ ኢላ።
ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ብ60 ሚእታዊ ነቲ ለበዳ ከም ዘጉድሎ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።
እቲ ዘቕረበቶ እማመ፡ ካብ ሓደ ጆሰፍ ሰላሲኒ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ብጻያ ደገፍ ረኺቡ'ሎ። ንሱ፡ ብወገኑ፡ ኣብ ኬንያ ተመሳሳሊ ፓሊሲ ከም ዝተኣታተወን እቶም ከይተኸንሸቡ ዝጸንሑ ኣባላት ከም ዝኽንሸቡ ከም ዝተገብረን ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝበሎ ሓቂ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኣባላት ባይቶ ኬንያ ፍተሻ ኣይተገበረሎምን
ይኹን'ምበር፡ ኣብ 2008 ገለ ኣባላት ባይቶ ኬንያ፡ ንኣብ ከባቢኦም ዘለዉ መንእሰያት ንምትብባዕ ብወለንቶም ተኸንሺቦም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
ምኽንሻብ ደቂተባዕትዮ፡ ንዕልቦ መትሎኦም ብምቑራጽ'ዩ ዝፍጸም።
ካልእ ጆሰፍ ካሸኩ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ግን እቲ እማመ፡ ንክብሪ ናይቶም ኣባላት ዝግህስ'ዩ ብምባል ነጺግዎ።
"ዝተኸንሸባ ደቂኣንስትዮ'ውን ኤች ኣይ ቪ የመሓላልፋ'የን ስለዚ ንደቂ ተባዕትዮ ክንፍትሾም እንተኾንና፡ ደቂኣንስትዮ'ውን ተኸንሺበን እንተኾይነን ንምርግጋጽ ክንምርምረን ኣለና" ኢሉ።
ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ንላዕለዋይ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮነ ኢልካ ብምቑራጽ ዝካየድ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን በሰላ ዝገድፍ ሓደገኛ ልምዲ'ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም "ካብ ንሕክምናዊ ወጻኢ ዝግበር ዝኾነ ንብልቲ ዘቑስል ነገር" ብምባል ይገልጾ።