እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ፡ 500 ቁርዲድ ዝወረርዎ ገበል ናይ ደም ዋሕዲ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሉ
ካብ ነብሱ 500 ቆራዲድ ክራገፉ ዝተገበረ ገበል ከም ዝተዳኸመን ዋሕዲ ደም ከም ዘጋጠሞን ሰብ ሞያ ጥዕና እንስሳት ኣወስትራልያ ሓቢሮም።
ሃደንቲ ኣትማን፡ ነቲ ገበል ኣብ ከባቢ መሕምበሲ ጋብላ ረኺቦም ከም ዘድሓንዎ ተገሊፁ።
ኒክ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ እቲ ገበል ንዘጋጠሞ ረኽሲ ህክምና ክረክብ ተገይሩ።
"ክንቀሳቐስ ዘይምኽኣሉ ድማ እቶም ቆራዲድ ከም ድላዮም ክቆፃፀርዎ ዕድል ፈጢሩሎም" ሆስፒታል እንስሳት ካረምቢን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
እቲ ገበል ካብ ዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና መሊኡ ምስ ሓወየ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ናብ ጫካ ክስደድ ምዃኑ ተገሊፁ'ሎ።
ሰብ ሞያ ሓለዋ እንስሳ፡ ኒክ ኣብ ሓፂር እዋና ናብ ንቡር ጥዕንኡ ክምለስ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ቆራዲድ ንዋሕዲ ደም ዘሳጥሑ ኮይኖም፡ ሕፅረት ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እውን የስዕቡ።