ተመራመርቲ፡ ቅድሚ 558 ሚልዮን ዓመት ናይ ዝነበረ እንስሳ ቅሪት ረኺቦም

ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ቅሪት ናይ ሓደ ቅድሚ 558 ሚልዮን ዓመት ኣብዛ ዓለም ዝነበር ዝነበረ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ረኺቦም።

ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት [ተመራመርቲ] ንፈለማ እዋን ኣብ መዝገብ ስነ-ምድሪ [ጂዮሎጂ] ሓደ ጥንታዊ እንስሳ ከምዘለለዩ ተፈሊጡ።

እዚ 558 ሚልዮን ዝዕድሚኡ ናይ እንቃቁሖ ቅርጺ ዝለዎ ፍጥረት ገለ ናይ ምልግልግ ዝብል ዓሳ ባህርያትን ተምሳልነትን ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ተመራመርቲ ናሙና ናይቲ ብስርዓት ዝተዕእቀበ ብዲኪንሶንያ ዝፍለጥ ፍጥረት ከምዝረኸቡን ሞሊዩክል ናይቲ ፍጥረት ኣቂቦሞ ኣለው።

እዚ ተረኺቡ ዘሎ ቅሪት ናይቲ ጥንታዊ ፍጥረት ድማ ኣብ ሂውት እንስሳታት ዓቢ መለልዪ ሕላገት ኢዩ ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ኣብ መጽሄት ሳይንስ ገሊጾም።

እዚ ብዲኪንሶንያ ዝፍለጥ ፍጥረት ኣካል ናይቶም ቢዳካራን ቢኦታ ዝፍለጡ ጉጅለ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ንመጀመርታ ኣብዛ ዓለም ዝተጋህዱ ፍጥረታት ኢዮም።

እንተኾነ ብስርዓት ንምግላጾም ግና ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ጸኒሑ፡ ቦትኦም ኣብ ታሪኽ ስነ-ሂወቶም [ፓሌንቶሎጂ] ንምስራዕ ሓደ ካብቲ ዓቢ ሚስጥራዊ ተኣምር ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ነዚ ጥንታዊ ፍጥረት ምስ ኣብ ከውሂ ዝቦቁል ተኽሊ [ሊቸትን]፡ዓሳው ተኽልን ፕሮቶዞን ወይ ድማ ሓደ መድረክ ኣብ መንጎ ተኽልን እንስሳን ዘሎ ገይሮም ክገልጽዎ ጸኒሖም።

እዚ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሩስያ ዝተረኽበ ናሙና ናይ ዲኪንሶንያ ኣካል ናይቲ ንግስነት እንስሳ ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ሕጂ ዝተረኽበ ቅሪት፡ ቅድሚ 558 ሚልዮን ዓመት እንስሳታት ኣዝዮም ብዙሓትን ገዘፍትን ከምዝነበሩ፡ ጆቼን ብሮክስ፡ ደራስን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርስቲ ኣውስትራልያ ገሊጹ።

ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ንዝሓለፉ 75 ዓመታት ብዛዕባ`ዚ ቅሪት ክቃልሱ ከምዝጽንሑን ሕጂ ግና ዲክኒሶንያ እቲ ጥንታዊ ቅሪት እንስሳታት ከምዝኾነን እቲ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ግድል ከምዝተፈትሐ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዶቼን ብሮክስ ገሊጹ።

እዚ ብኣካል ናይ ኢዳካራን ቢዮታ ዝፍለጥ ፍጥረት ቅድሚ 600 ሚልዮን ዓመታት ከምዝነበረን ንኣስታት ዓሰርተታት ሚልዮን ዓመታት ኣብዛ ዓለም ከምዝነበረ ይፍለጥ።