እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ፖሊስ ላስ ቬጋስ ናይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ዲኤንኤ ሓቲቱ
ፖሊስ ላስ ቬጋስ በቲ ንክርስትያኖ ሮናልዶ ተመስሪትዎ ዘሎ ናይ ምዕማጽ ክሲ መርመራ ዝሕግዝ ዲኤንኤ ናይቲ ተጻወታይ ክረከብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ጠበቓ ሮናልዶ ነዚ ትእዛዝ ኣመልኪቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እዚ ዝተለምደ ሕጋዊ መስርሕ ኢዩ ኢልዎ።
ዎል ስትሪት ጆርናል ብወገና፡ እቲ ትእዛዝ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ቤት-ፍርዲ ጣልያን ከም ዝተሰደደ ኣመልኪታ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ ግን ነዚ ብካትሪን ማዮርጋ (ኣሜሪካ) ኣብ ላስ ቬጋስ ዝርከብ ሆቴል ተፈጺሙ ዝበሃል ገበን ምዕማጽ ከም ዘይፈጸሞ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብመሰረት ደር ስፔገል ዝተበሃለ ጋዜጣ ጀርመን፡ ንመጀመርታ እዋን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘቃለሓት፡ ጓል 34 ዓመት ማዮርጋ ኣብ 2009 ንፖሊስ ላስቬጋስ ኣመልኪታ ምንባራ ገሊጹ እዩ።
ብድሕሪኡ ኣብ 2010 ድማ ምስ ክርስትያኖ ብዝገበረቶ ውሽጣዊ ስምምዕ 375 ሽሕ ዶላር ንክኸፍላ ከም ዝተሰማምዑ እታ ጋዜጣ ኣመልኪታ።
እንተኾነ ግን ጠበቓታት ማዮርጋ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከቃልዕዎ ይደልዩ ከም ዘለው ኣመልኪቶም።
ካትሪን ማዮርጋ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብ2009 ከም ዝዓመጻ ክትዛረብ ዝተደፋፍአት 'ሚ ቱ' (#MeToo) ብዝተብሃለ ምንቅስቓስ ከም ዝኾነ ተዛሪባ ነይራ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ ርያል ማድሪድ ብ99 ነጥቢ 2 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ኢጣልያናዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጁቬንትስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ተሰጋጊሩ።