ቢቢሲ ብሉፅ ኣፍሪቃዊ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ 2018 ምረፁ፡ በናትያ፣ ኮሊባሊ፣ ማኔ፣ ፓርተይን ሳላሕን

ሓሙሽተ ሕፁያት ቢቢሲ ብሉፅ ኣፍሪቃዊ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ 2018 ተፈሊጦም።

መዲህ በናትያ፣ ካሊዱ ኮሊባሊ፣ ሳድዮ ማኔ፣ ቶማስ ፓርተይን ሞሓመድ ሳለሕን ነቲ ሽልማት ንምውሳድ ክወዳደሩ እዮም።

ንዝሓረኹምዎ ተፃዋቲ ድምፅኹም እትህቡሉ ግዜ ሕዚ'ዩ። ናይዚ ዓመት ዓወታቶም ካብዚ ቀፂሉ ክተንብቡ ትኽእሉ።

መስርሕ ምሃብ ድምፂ

2 ታሕሳስ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ምሸት ሰዓት 11፡00 (5፡00 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ) ይዕፆ።

ናይ መወዳእታ ውፅኢት፡ 14 ታሕሳስ፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 5:30 ብኣቆፃፅራ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ (11፡30 ኣ.ኢ) ኣብ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ይግለፅ።

If you are viewing this page on the BBC News app please click here to vote.

ሓሙሽተ ሕፁያት

መድሂ በናትያ (ጁቬንቱስን ሞሮኮን)

ሓለቓ ጋንታ ሞሮኮ መዲህ በናትያ ( ዕድም 31) ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓደ ካብ ዘተኣማምኑ ተኸላኸልቲ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ክኸውን ኪኢሉ'ሎ። ንዓበይቲ ጋንታታት ኣውሮጳ'ውን ተፃዊቱ።

ናብ ዝርዝር ሕፁያት ቢቢሲ ብሉፅ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2018 ከእትዎ ዝኸኣለ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ጋንታ ጁቬንቱስ ዝነበሮ ብቕዓቱ እዩ።

ጋንትኡ ንዋንጫ ሰሪ-ኤ ጣልያን ክትወስድ፣ ኣብ ኮፓ ኢጣልያ'ውን ንክትዕወት ከምኡ'ውን ናብ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ሊግ ንክትበፅሕ ዝለዓለ ኣበርክቶ ገይሩ።

ሞሮኮ ብድሕሪ 1998 ኣ. ኣ ኣብ ዝገበረቶ ተሳትፎ ዋንጫ ዓለም፡ ነታ ጋንታ መሪሑ ኣትዩ፤ ካብ ምድብ ከይሓለፈት ተሪፋ'ምበር።

ወዲ ጋንትኡ ክርስትያኖ ሮናልዶ "ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ ተፃዋቲ እዩ" ክብል ይገልፆ።

ካሊዱ ኮሊባሊ (ናፖሊን ሰኔጋልን)

ንሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኣብ ክፍሊ ማእኸል ዝፃወት ካሊዱ ኮሊባሊ'ውን ሓደ ካብ ሕፁያት ኮይኑ፡ ንክፍሊ ምክልኻል ናፖሊ ሰሓባይ ኣብ ምግባር ይርከብ።

ወዲ 27 ዓመት ኮሊባሊ፡ ጣልይናዊት ጋንታ ካብ ጁቬንቱስ ቀፂላ ካልኣይ ኮይና ብምውዳእ ብነጥቢ ሓድሽ ክብረ ወሰን ክተመዝግብ ኣብ ምግባር ሓጊዙ።

ኣብ ድሕሪት ዓብላላይ ኮይኑ ንመጋጥምቲ ጋንታ ብምጭንናቕ ይፍለጥ።

ባርሴሎና፣ ቸልሲን ማንቸስተር ዩናይትድን ከፈርምኦ ልዑል ድልየት ስለዘለወን፡ ብዝለዓለ ዋጋ ዝሸየጠሉ ግዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን።

ሳድዮ ማኔ (ሊቨርፑልን ሰኔጋልን)

ንራብዓይ ግዜ ሕፁይ ኮይኑ ዝቐረበ ሳድዮ ማኔ ኣብዚ ዓመት ዕድለኛ'ዶ ክኸውን ይኽእል?

እዚ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት 'ውን ሕፁይ ኮይኑ ቀሪቡ እዩ። ያያ ቱሬ፣ ሪያድ መሃሬዝን ሞሓመድ ሳላሕን ስለዝተዓወቱ ግን ነቲ ሽልማት ክረክብ ኣይከኣለን።

ወዲ 26 ዓመት ማኔ፡ ኣብ 2018 ንጋንትኡን ንሃገሩን 21 ሸቶታት ኣቑፂሩ። ሊቨርልፑል እውን ሓንቲ ኣብ ኣውሮፓ ዝፍራሕ ክፍሊ ምጥቃዕ ዘለዋ ጋንት ክትኸውን ሓጊዙ።

ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ፡ ማኔ ሓደ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ምሩፃት ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። "እዚ ደረጅኡ ከም ዝኾነ ከረጋግፅ ኪኢሉ" ኢሉ።

ቶማስ ፓርተይ (ኣትሌቲኮ ማድሪድን ጋናን)

ጋናዊ ቶማስ ፓርተይ'ውን፡ ንፈለማ እዋን ሕፁይ ኮይኑ ዝቐረበ ካልእ ተፃዋቲ እዩ። እዚ ተፃዋቲ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ሃንትኡን ሃገሩን ብዘርኣዮ ብቕዓት'ዩ ሕፁይ ክኸውን ኪኢሉ።

እዚ ተፃዋቲ ጋንትኡ ኣብ ላሊጋ ካልአይቲ ኮይና ክትውድእን፡ ዋንጫ ኢዮሮፓ ሊግ ክትወስድን ሓጊዙ።

ኣሰልጣኒኡ ሓሓሊፉ ንብቕዓቱ ከየስተብሃለሉ ዝሓልፈሉ ግዜ እንተነበረ'ኳ፡ ንሃገራዊት ጋንትኡ ግን ተመራፂ ኮይኑ ቀፂሉ እዩ።

ጋና ምስ ጃፓንን ኣይስላንድን ኣብ ዝገበረቶም ናይ ምሕዝነት ፀዋታታት፡ ፀብለልታ ዘርኣየ ኣጥቃዓይ ንሱ ነይሩ።

ሞሓመድ ሳላሕ (ሊቨርፑልን ግብፅን)

ሞሓመድ ሳላሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ውድድር ቢቢሲ ብሉፅ ኣፍሪቃዊ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሕፁይ ኮይኑ ቀሪቡ ኣይፈልጥን።

ካብ ጄ ጄ ኦካጃ ቀፂሉ ነቲ ሸልማት ደጊሙ ክወስድ ዓሊሙ'ሎ።

እዚ ወዲ 26 ዓመት ተፃዋቲ ናይ 2018 ኣጀማምርኡ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2017 ዝነበሮ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ እዩ። ካልኦት 21 ሸቶታት ኣቑፂሩ።

ሊቭርፑል ናብ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ሊግ ንክትበፅሕ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ፡ ኣብ 'ብሉፅ ተፃዋቲ እዚ ዓመትን ሽልማት ፀሓፍቲ ኩዕሶ እግርን ( FWA) ተዓዊቱ።

ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ነገር ስቴፈን ጄራርድ"ኣብ ዓለምና ናይዚ አዋን ብሉፅ ተፃዋቲ" ክብል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ገሊፅዎ ነይሩ።

ኣብ ፀዋታ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ፡ ጋንትኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ፅቡቕ ውፅኢት ንኽትረክብ እጃሙ ነከይፍፅም ገይርዎ። ደሓን ኮይኑ ንጋንትኡ ሊቭርፑል ክፃወት ብምጅማሩ ግን ኣብዚ ዓመት ሸሞንተ ሸቶታት ኣቑፂሩላ።