ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ናይክ ብክሲ ሮናልዶ ኣብ ስክፍታ ከም ዝኣተወ ኣፍሊጡ

ናይክ ኣብ ልዕሊ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ክርስትያኖ ዝቐረበ ክሲ ፆታዊ ዓመጽ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ዕጥቂ ስፖርት ምስ ክርስትያኖ ናይ 1 ቢልዮን ውዕል ኣለዎ።

ኢ ኤ (EA) ስፖርትስ ዝተበሃለ ካልእ ኩባንያ እውን ተመሳሳሊ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊፁ'ሎ።

ወዲ 33 ዓመት ፖርቹጋላዊ ክርስትያኖ፡ ነቲ ብ2009 ኣብ ልዕሊ ካትሪን ማዮርጋ ተፈፂሙ ዝበሃል ፆታዊ ዓመጽ ከምዘይወዓሎ ተዛሪቡ እዩ።

ናይክ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "እቲ ጉዳይ ብጣዕሚ ኣተሓሳሲቡና'ሎ፡ ብቐረባ ክንከታተሎ ኢና" ኢሉ።

ኢ ኤ ስፖርትርስ ብወገኑ "ኣብ ልዕሊ ክርስትያኖ ዝቐረብ ዘሎ ክሲ ኣብ ሓሳብ ክንኣቱ ገይሩና'ሎ፤ ምሳና ኣብ ውዕሊ ዝኣትዉ ኣትሌታትን ኣምባሳደራትን ንክብርታት ትካልና ክሕልዉ ስለ ዘለዎም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እናተኸታተልናዮ ኢና" ክብል ንኤኤፍፒ ገሊፁ።

ብ99.2 ሚልዮን ፓውንድ ዘፈረመቶ ጣልያናዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጁቬንትስ'ውን፡ ክትጣበቐሉ ጀሚራ።

ኣብ ትዊትር እታ ጋንታ "ክርስትያኖ ሞያዊ ብቕዓቱን ውፉይነቱን ከርእይ ኪኢሉ እዩ፤ ኩሉ ኣባልን ፈታውን ጁቬንትስ ድማ ንኢድዎ'ሎ" ዝብል መልእኽቲ ተፃሒፉ'ሎ።