ገዝኡ ዘፍረሰ ኣመሪካዊ፡ 'መሊስካ ህነጻ' ተባሂሉ

ኣብ ፍራንሲስኮ፡ ብ 1936 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ንዝተሃነጸ ውሩይ ገዛ ዘፍረሰ ዓዳጋይ፡ ነቲ ዝነበረ ገዛ ኣምሲሉ ዳግም ክሃንጾን - ነቲ ኩነታት ዝገልጽ ጽሑፍ ድማ ኣብ ደገ ክገብርን ተኣዚዙ።።

ነቲ ገዛ ዝዓደገ ሮስ ጆንስተን፡ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ነቲ ውሩይ መንበሪ ብ 1.7 ሚልዮን ዶላር ዓዲጉ፡ ንከሐድሶ ድማ ፍቓድ ረኺቡ።

ንከፍርሶ ግን ፍቓድ ኣይነበሮን።

ጎረቤቱ እቲ ውሩይ ህንጻ ፈሪሱ ከምዝረኸበቶን ቅረታኣ ንሰብመዚ ከምዝገለጸትን ተዛሪባ።

"ንሓደ ሰሙንን ፈረቓን ናብ ኒውዮርክ ገይሸ ምስተመለስኩ፤ እቲ ገዛ ፈሪሱ ጸኒሑኒ" ኢላ።

ጆንስተን፡ ሽድሽተ ኣባላት ስድርኡ ከንብረሉ ነቲ ገዛ ዝዓደጎ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝዓደጎ መንበሪ ግን ከም "መዳጎኒ" ከም ዝጸበቦ ንሰብመዚ ፕላን ሳንፍራንሲስኮ ተዛሪቡ።

ጠበቕኡ'ውን ቅድሚ ጆንስተን ዝነበሩ ወነንቲ ነቲ ታሪኻዊ ገዛ ምትዕርራይ ገይሮምሉ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ ተኻቲዑ።

እንተኾነ ግን፡ ከምቲ ንሱ ዝሓሰቦ ዓብይ ገዛ ከይኮነስ፡ ነቲ ዝነበረ ገዛ ኣምሲሉ ዳግም ክሃንጾ ተኣዚዙ'ሎ።

እቲ መንበሪ ክሽየጥ እንተኾይኑ'ውን፡ እቲ ሓድሽ ዓዳጊ ነዚ ትእዛዝ ከኽብር ክግደድ እዩ።

እቲ ውሩይ ገዛ ቅድሚ ምፍራሱ፡ በዓል ክልተ ደብሪን ኣብ ውሽጡ መሐምበሲ ዘለዎን ጻዕዳ ህንጻ እዩ ነይሩ።

እቲ መንበሪ ውሩይ በዓልሞያ ስነ ህንጻ ሪቻርድ ኒውትራ ኣብ ፍራንሲስኮ ካብ ዝሰርሖም 5 ንድፊታት እቲ ሓደ እዩ።

ኮሚሽነር ፕላን ዴኒስ ሪቻርድስ፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ እንትዛረብ እቲ መንበሪ ንኻልኦት ከም መጠንቀቕታ ኮይኑ ከገልግል ተስፋ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።