'ምስ 28 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ገዛ እነብር'

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ዜጋታት ካሜሮን ዶብ ሰጊሮም ናብ ናይጀርያ ከምዝኣተዉ ሓለፍቲ ህጹጽ ሓገዝ መንግስቲ ናይጀርያ ኣፍሊጦም።

እቶም ስደተኛታት በብመዓልቱ ናብ ናይጀርያ ዝውሕዙ ዘለዉ ብሰንኪ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካሜሮን ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ቀንዲ መንቀሊ እቲ ጎንጺ ድማ ካብታ ሃገር ክንጸሉ ዝደልዩ ሓይልታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ እታ ሃገር የካይድዎ ብዘለዉ ደማዊ ኵናት'ዩ።

ቢቢሲ ደቡባዊ ክፋል ናይጀርያ ናብ እትርከብ ኣግቦኪም ተንቀሳቒሱ ኣብ ገዝኡ 28 ስደተኛታት ተቐቢሉ ምስ ዝነበር ዘሎ መራሒ ስድራ ወግዒ ገይሩ'ሎ።

ወዲ 57 ዓመት ፍራንክ ናይ ካልኣይ ብርኪ መምህርን ኣዝዩ ሃይማኖታውን ሰብ እዩ።

ወርሓዊ መሃይኡን ካብ ሕርሻ ኮኮዋን ካሳቫን ዝረኽቦ እቶትን መዓት ኣጋይሽ የመሓድረሉ'ሎ።

ገሊኦም ኣጋይሽ ካብ ካሜሮን ዝተመዛበሉ ኣዝማድ ሰበይቱ ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ምንም ዝምድና ዘይብሎም ስደተኛታት'ዮም።

እቶም ስደተኛታት ናብ ገዝኡ ክወስዶም ዝደለየሉ ምኽንያት ድማ ኩነታቶም ኣዝዩ ሕማቕ ስለዝነበረ'ዩ።

እንተኾነ ግና ንኹላቶም ዝኸውን መደቀሲ ክፍሊ ክረክብ ኣይከኣለን።

መብዛሕቲኦም ኣብቲ ገዛ ዝነብሩ ኣጋይሽ ፍራንክ ኣብ ምድሪ ቤት ኣንጺፎም፣ እቶም ህጻዉንቲ ዝኾኑ ድማ ኣብ ሕቑፊ ወለዶም ከምዝድቅሱ ወናኒ እቲ ገዛ ፍራንክ ኦኮሮ ኣዋጊዑና።

ኣብ እንዳ ፍራን " ሰነፍ ሰብ ክበልዕ የብሉን" ዝብል ጭርሖ ስለዘሎ፡ እቶም ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ብዝኽእልዎ ኩሉ ንፍራንክ ይሕግዝዎ።

ሓረስቶት ስለዝኾኑ ክሰርሕዎ ዝኽእሉ ነገራት መዓት'ዩ ዝብል ፍራንክ "ፈጣሪ ብዓብይኡ ይሕግዘና'ዩ" ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን።

እንተኾነ ግና ከም መጠን መራሒ ስድራ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ'ዩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ስድራን ለዋሃት ሰባትን ሓገዝ እንተድኣዘይረኺቦም ንሕጽረት መግቢ ከምዝቃለዑ ይግለጽ።

ካብ ከባቢያዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ትካላት ረድኤት ዝረኽብዎ ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ እኹል ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድሎም ዝመንመነ'ዩ።

ደቆም'ውን እንተኾነ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል የብሎምን።

ካብዚ ሓሊፉ ዝነበሮም ኣማራጺ ግን ኣብ ዓዶም 'ፋጻ ጥይት' ምስማዕ ስለዝነበረ ካብዚ ዘይሓይሽ ነገር የለን።

"ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኽ ይሞተን"

መንእሰይ መራሒ ስድራ ረኔ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ወተሃደራት መንግስቲ ናብቲ ከባቢኦም መጺኦም ገዛውቶም ምስ ኣዕነውሎምን ሰባት ክቐትሉ ምስጀመሩን ዝፈትዎም ስድርኡ ራሕሪሑ ኣብ ጣሻ ክሕባእ ተገዲዱ።

በዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ክንደይ ሓሳረ መከራ ብሓገዝ ሞተረኛታት ኣቢላ ናብ ናይጀርያ ክትሰግር ኪኢላ።

ረኔ ግን ህይወቱ ካብቲ ዝነበረ ጸገም ንምድሓን ክብል ኣብ ጣሻ ወሓዚ ማይ እናሰተየን ፍራምረ እናተመገበን ንሓደ ሰሙን ተቐሚጡ።

ረኔ ካብቲ ተሓቢኢሉ ዝነበረ ጣሻ ወጺኡ ስድርኡ ናብ ዘዕቑብሉ ንእሸተይ ከተማ ባሹ ንኽበጽሕ ንክልተ መዓልትታት ተጎሳቝሉ።

ረኔ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ስድርኡ ካብ ካሜሮን ኣስታት 27 ኪሎ ሜትሮ ሪሒቃ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ናይጀርያ፡ ኣኮም ኣዕቝቡ ከምዝርከብ ይገልጽ።

ወዲ 32 ዓመት ረኔ ናብቲ ሕዚ ኣዕቝብሉ ዘሎ ከባቢ ንኽኣቱ ኣብ ህይወቱ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ሓሳረ መከራ ክጻልፍ ተገዲዱ'ዩ።

ካብቲ ተሓቢእሉ ዝነበረ ከባቢ ወጺኡ ናብቲ ሕዚ ዘለዎ ቦታ ንኽበጽሕ ብእግሩ 2 መዓልትታት ስለዝተጓዓዘ እግሩ በሽረጥረጥ ኢሉ ኣደዳ ቁስልን ሕማምን ኮይኑ'ሎ።

ዳርጋ ከም ኩሎም ስደተኛታት ዓዱ ሰላም ክሳብ ዝኸውን ናብ ካሜሮን ተመሊሱ ናይ ምኽያድ ሓሳብ ከምዘይብሉ ይገልጽ