እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ፡ ናብ መንበሪ ገዛ ዘሊላ ዝአተወት ካንጋሮ
ኣውስተራልያዊት ስድራ ቤት፡ ካንጋሩ ናብ ገዞኦም ብፍንስትራ ዘሊላ ብምእታዋ ብስንባደ ካብ ድቃሶም ከምዝተንስኡ ተሓቢሩ።
እቶም ስደራ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበጽሖምን፡ እታ ካንጋሩ ግን ብሰንኪ ኣብ እግራ ዘጋጠማ መቑሰልቲ ብዝሕ ዝበለ ደም ከምዝሰኣነት ተፈሊጡ።
ድሕነት እንስሳ በረኻ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ምትእትታው ሰባት ኣብ ስፍራ ካንጋሮ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።
ነታ ሪዒዳ ዝነበረት ካንጋሮ ኣብ ክፍሊ መሕጸብ ሰብነት ዓጺዮም ክሕዝዋ ከምዝኸኣሉ'ውን ክፍሊ ድሕነት እንስሳ በረኻ ሓቢሩ።
እታ ካንጋሮ ብዙሕ ደኺማ ከምዝነበረትን፡ እቶም ድሕነት እንስሳ በረኻ ዝተዋፈሩ ሰባት መደንዘዚ ወጊኦም ኣብ ውሑስ ቦታ ከምዝወሰድዋን ተፈሊጡ።
እቶም ስደራ ብሰንኪ እቲ ካብ ካንጋሮ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ብዙሕ ከምዝተሻቀሉ እቶም ሰብ ድሕነት እንስሳ በረኻ ሓቢሮም።
እታ እንስሳ 30ኪሎ ግራም ትምዘን ኮይና፡ ኣብ ገዛ እታ ስድራ ብርክት ዝበለ ዕንወት ከምዝዓበትን፡ ከትሃድም ክትብል ፍነስትራታት ከምዝሓምሸሸትን ከፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ኩነት ካብ ከተማ ውጽእ ዝበለ ቦታ ካንጋሮ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ኣጋጢሙ።
እታ ካንጋሮ ሕክመናዊ ሓገዝ ከምዝተገበረላን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምእትርከብን፡ ኣብ ድሕነት እንስሳ በረኻ (ዘገዳም) ዝሰርሑ ሰባት ሓቢሮም።