እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘቃልዕ ሰነዳዊ ፈልሚ ከም ክፍኖ ተገሊፁ
ኣብ ልዕሊ እሱራት ተፈፂሞም ዝበሃሉ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ተለቪዥን ኢትዮጵያ ከም ዝፍኖ፡ ኣብ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባትን ኮሚዩኒኬሽንን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣይተ ዝናቡ ጠኑ፡ ከም ዝበልዎ እቲ ሰነዳዊ ፊልሚ ከከም ፕሮግራም እተን ጣብያታት፡ ሎሚ መዓልትን ፅባሕን ክመሓለፍ'ዩ።
ቤት ዕዮኦም መረዳእታ ከም ዘይሓብእ ብምግላፅ፡ ኣብ ብዙሓት ጣብያታት ተለቪዥን ዝፍነወሉ ምኽንያት'ውን ንሱ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ኣይተ ዝናቡ "ትኽክለኛ ንዝኾነ መራኸቢ ሓፋሽ መረዳእታ ክንህብ ኢና" ክብሉ'ውን ኣረጋጊፆም።
ቅድሚ ሰሙናት ምስ ኮርፖሬሸን ሓፂነ መፂንን ኢንጂነሪንግን (ሜቴክ) ብዝተሓሓዝ፡ ተፈፂሞም ዝተበሃሉ ከበድቲ ገበናት ብልሸውና ብዝምልከት ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልሚ፡ ኣብ መንግስታውን ንመንግስቲ ዝቐረቡ ዝበሃሉን ጣብያታት ተለቪዥን ምፍናዎም፡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ'ዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ድማ "ፍርዲ ሰነዳዊ ፊልሚ" ክብሉ ነቐፌታ ኣቕሪቦም ነይሮም። ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ገበነኛታት ምዃኖም ኣብ ዘይተረጋገፀ፡ 'ብይን ምሃብ'ዩ' ክብሉ'ውን ቅርትኦም ገሊፆም።
ኣብቲ ጉዳይ ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ቀሪቡሎም ዝነበረ ኣይተ ዝናቡ፡ ትሕዝቶ እቲ ፊልሚ ካብቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝተለኣኸ ዝርዝር ገበን ዝተፈለየ ስለዘይኮነ፡ ኣብ ሞንጎ ከይዲ ፍትሒ ኢድ ከም ምእታው ዝቑፀር ኣይኮነን ዝብል መልሲ ሂቦም ነይሮም።
ቢቢሲ፡ እቲ ፊልሚ ካብ ዝፍንዋ ሓንቲ ካብ ዝኾነት ጣብያ ተለቪዥን ዝረኸቦ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ዝመሓለፍ ፊልሚ ሰዓትን 15 ደቒቓን ዝፀንሕ ኮይኑ፡ ምስክርነት ግዳያት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘካተተ እዩ።