ባይቶ ሱዳን፡ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንክመሓየሽ ፈቒዱ

ፕሬዝደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣባላት ፓርላማ ሱዳን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንሳልሳይ ግዜ ንክወዳደር ንምፍቃድ፡ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክመሓየሽ ድምጾም ሂቦም።

እቲ ሕገ መንግስቲ እንተድኣ ዘይተመሓይሹ፡ ኣብ 1989 ብዕልዋ ምንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳተፍ ኣይክእልን።

ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ሱዳን ኢብራሂም ኣሕመድ ዑመር፡ ክታም ዝበዝሓ ኣባላት ፓርላማ ሓገግቲ ዘለዎ ደብዳበ ከም ዝተቐበለ ገሊጹ። እዚ ደብዳበ ካብ 33 ሰልፊታት ናይ ዝተወጻጽኡ 294 ተወከልቲ ምኻኑ'ውን ሓቢሩ።

"ኣብ ውሽጢ ፓርላማ እዞም ምምሕያሻት ንምውሳን ዘድልዩ ሕገ መንግስታውያን ሕጋዊ ስጉምታትን ደንብታትን ከኽብር'የ" ድማ ኢሉ።

እቲ ሕጂ ቐሪቡ ዘሎ ምምሕያሽ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስተመረጸ ንኣመሓደርቲ ክሰጉግ ስልጣን ዝህብ'ዩ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ተፈጺሙ ብዝበሃል ጅምላዊ ጨፍጫፍን ገበን ኲናትን ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝድለ ክኸውን እንከሎ፡ ንሱ ግን ነቲ ኽሲ ኣይቅበሎን።

ዑመር ኣልበሽር፡ኣብ 2016 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ 2020 ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ተዛሪቡ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።