"ምስ ኤርትራ ዝተዓጽወ ዶብ የለን" ሱዳን

ከሰላ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY

መግለጺ ስእሊ, ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝዝውተረሉ ከባቢ ከሰላ ሱዳን

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ከሰላን ኮርዶፋን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣጽኒዑ። እቲ ኣዋጅ፡ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝውትር እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንምግታእ ዝዓለመ ከምዝኾነ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ነቲ ኣዋጅ ግብራዊ ንምግባር ኣብቲ ከባቢ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ዓስኪሮም ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣማሓዳሪ ግዝኣት ከሰላ ኣደም ጃማ፡ እቲ ፍጻሜ ምስ ኤርትራ ዘዛምድ ዋላ ሓንቲ ነገር ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ሱዳን ምስ ኤርትራ ብዘለዋ ወጥሪ እያ ሰራዊታ ናብቲ ከባቢ ኣንቀሳቒሳን ምስኣ ዘዳውብ ወሰን'ውን ዓጽያ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተነዝሐ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ክብል ኣመሓዳሪ ግዝኣት ከሰላ ሓቢሩ።

እስታዝ ኣደም ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ከምቀደሙ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ'ውን ኣብሪሁ። መራሕቲ ተቓውሞ ውድባት ፖለቲካ( ሰልፍታት) ግን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ዕጥቅን ደው ንምባል፡ ክሳዕ ክንድኡ ዝኣክል ወፍርን ሰራዊትን፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜን ኣይመድለየን ክብሉ ተቓዊሞምዎ።