እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋቤ ሓሚሞም
ወዲ 94 ዓመት ፕረዚደንት ነበር ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋቤ፡ ብዘጋጠሞም ሕማም ክንቀሳቐሱ ከምዘይከኣሉ፡ ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ገሊፆም።
ሙጋቤ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሲንጋፖር ክሕከሙ ከምዝፀንሑ እቶም ፕረዚደንት ዋላ እኳ እንተገለፁ፡ ሕማሞም ግና ዛጊድ ግልፂ ኣይተገበረን።
ሙጋቤ ካብ ስልጣን ካብ ዝወርዱ ንነዘ፡ ንሕክምና ተደጋጋሚ መገሻ ገይሮም እዮም።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኢዱ ብምእታው ንሙጋቤ ካብ መዝነቶም ምስ ኣለዮም ነይሩ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ክኾኑ ዝኸኣሉ።
ክሳብ ካብ መንበር ፕረዚደንትነቶም ዝወረዱላ ዕለት፡ ሙጋቤ ፈለማ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ደሓር ድማ ፕረዚደንት ብምዃን ን37 ዓመታት ንዚምባብዌ መሪሖማ እዮም።
ሮበርት ሙጋቤ፡ ብናይ ውሑዳት ፀዓዱ ኣገዛዝኣ ተሓይራ ዝነበረት ዚምባብዌ ነፃነት ንኽትረክብ ወይኖምን መሪሖምን እዮም።
ምናንጋግዋ፡ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ሮበርት ሙጋቤ ኮይኖም ንደገፍቶም መደረ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን እዮም፡ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ሙጋቤ ዕላዊ ዝገበሩ።
"ሕዚ ኣሪጉ እዩ። ምንቅስቓስ እውን እዩ ኣብይዎ ዘሎ፡ ዝኾነ ነገር እንተሓቲቱና ግን ክነቐርበሉ ኢና" ከምዝበሉ AFP ሓቢሩ።
ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ዓይኖም ይሕከሙ ከምዝነበሩ ሰብመዚ ይገልፁ እኳ እንተነበሩ፡ ካልኦት ግና መንሽሮ ከምዝነበሮም እዮም ዝዛረቡ።
ዋላ እኳ ምንቅስቓስ ዘይኽእሉ እንተኾኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ጥዕና ምምሕያሽ ብምርኣዮም ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ፡ ምናንጋግዋ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ፡ "ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና ኢና። ንዚምባብዌ ዝመስረተ ኣቦ እዩ። ናይ ናፃ ዚምባብዌ መስራቲ ኣቦና እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።
ወፃእታት ሕክምና ሮበርት ሙጋቤ መንግስቲ እታ ሃገር እዩ ዝሽፍኖ ዘሎ።
21 ለካቲት መዓልቲ ልደት ሮበርት ሙጋበ'ዩ፡ ዚምባብዌ ድማ ሃገራዊ በዓል መናእሰይ ሮበርት ሙጋቤ ኮይኑ ክበዓል ወሲና ነይራ።
ምናንጋግዋ፡ ካብ ሮበርት ሙጋቤ ስልጣን ካብ ዝወስዱ ንደሓር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ምዕዋቶም ይዝከር።