እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳርባን ተኹስን ዘስዓበ መረጻ ዚምባብወ
ኣቦ ቃልሲ ናጽነት ሃገረ ዚምባብወ ተገይሩ ዝወሰድ ፕሬዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣኑ ምስተኣለየ ፈላማይ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ዘካየደት እታ ሃገር ዜጋታታ ኣብ ኣደባባያት ሃራሬ ወጺኦም ቁጠዕኦም ብኩርባን ዳርባን ገሊጾም ኣለዉ።
ነቲ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ልኡኽ ተዓዛቢ መረጻ ሕብረት ኣፍሪካ መሪሑ ከምዝተኸታተሎ ይፍለጥ።